ብዝለዓለ ተሳትፎ ህዘብን በጀት መንግስትን 1038 ኪ/ሜ ዝሽፈን 136 ጣብያታት ምስ ወረዳ ማእኸል ዘራኽብ መንገዲ ብምስራሕ ልዕሊ 700 ሽሕ ነበርቲ እተን ጣብያታት ተጠቀምቲ ንምግባር ሎሚ ዓመት ከም ዝስራሕ ብቢሮ ኮንስትራክሽን፣ መንገድን መጓዓዝያን ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ተገሊፁ።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ም/ር/ም/ክ/ትግራይ ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ ፤
ሓረስታይ ትግራይ ምህርቱ ንምስሳን ዝሕግዝዎ ናይ ሕርሻ እታዎታት ናብ ተሓራሲ መሬቱ ንምውሳድን ምህርቱ ናብ ዕዳጋ ንምቕራብን፣ማሕበራውን ናይ ፀጥታ ግልጋሎታትን ብፅፈት ንምሃብንሰብ ሃፍቲ ኣብ ጣብያታት ትግራይ ኢንቨስት ንክገብሩ ምችው ኩነታት ንምፍጣር መንገዲ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊፆም፡፡
ትግራይ ዓይኒ ዓራት ክንገብራ ኢና ዝብል ጭርሖ ኣብ ምትግባር ደንጕና ኢና ዝበሉ ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ ሎሚ ዓመት ዘለና በጀት ዓፂፍና እውን እንተኾነ ክንዛዝሞ ኢና ብምባል በዚ ድማ መጠን ድኽነት ክልልና ኣብ ምንካይ ዓብይ ዝላ ከም እነምፅእ ኣየጠራጥርን ክብሉ ገሊፆም፡፡
ሓዱሽ እንትንሰርሕ እቲ ነባር 2400 ኪ/ሜ መንገዲ ትግራይ ኣብ ምሕደርኡ፣ ፅገንኡ፣ ዋንነቱን ኣጠቓቕምኡን ትኹረት ሂብና ክንሰርሐሉ ይግባእ ድሕሪ ምባል፤ ኣብ ከተማታት ዝርአ ዘሎ ፀገማት ስራሕቲ ምንፃፍ እምኒ እውን ትኹረት ክወሃቦ ኣለዎ ኢሎም፡፡
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ልዕሊ 200 ካብ ኩለን ዞባታትን ወረዳታትን ትግራይ ዝመፁ ኣመሓደርትን ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን፣ መንገድን መጓዓዝያን ተረኺቦም እዮም፡፡
ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ