ልዕሊ 55 ሽሕ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ተፋንዮም
ምክትል ፕሬዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሓላፊ ካብኔ ሴክሪታሪያት ሰላምን ፀጥታን ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ከምዝበሎ፣እዞም ዝፋነው ዘለው ተጋደልቲ ምእንተ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ክኸፍልዎ ዝግበኦም መስዋእቲ ዝኸፈሉ ክብሪ ዝግበኦም ጀጋኑ እዮም።
እቶም ልዕሊ 55 ሽሕ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ተፋንዮም ሎሚ በብ ወረደኦም ድሙቕ ኣቀባብላ ይግበረሎም ከምዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን
19 ሓምለ 2015 ዓ.ም
መቐለ

