ባህሊ ሕላገት መንነት ሓደ ህዝቢ እዩ- ሙሁራት

ዝኾነ ህዝቢ ናይ ምንባሩን ዘይምንባሩን ትርጉም ዝግለፅ ኣብ ታሪኽ፣ባህሊ፣ትውፊት፣ቋንቋ፣ፅሑፋዊን ስነ- ቓላዉን ሃፍትታቱ ዝተመስረተ ከምዝኾነ፣ነዚ እዉን እዩ ህልዉና ሓደ ህዝቢ ዝጠፍእ መግለፂ መንነታዊ ህልዉኑኡ ዝኾኑ ባህሉ ፣ታሪኻዊ ፣መንፈሳዊን ሃይማኖታዊን ሓድግታቱ እንትጠፍኡ እዮም ዝበሉ ኣብ ባህሊ ፥ ቋንቋን ስነ ጽሑፉን መጽናዕቲ ዘካየዱ ምሁራት ምስ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ዝበሉዎ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ እዉን ከም ሓደ ክፋል ማሕበረሰብ ዓለም መሰረት ምሽጥር ህልዉንኡ ዝገልፁ ቁሳዊ፣ መንፈሳዊ ሓድግታቱን እምነታቱን ካብ ትዉልዲ ናብ ትዉልዲ ንምስግጋርን ህልዉንኡ ንምቕፃልን እዩ ንመዋእሉ መስዋእቲ ዝኸፈለን ክሳብ ሐዚ ዉን ዝኸፍል ዘሎን ይብሉ።

 

ባዓል ኣሸንዳ ካብቶም ህዝቢ ትግራይ ዝልለየሎም ዓበይቲ ባዓላት ሓደ ኾይኑ ናይ ባዕሉ ክብርታታ ከም ዘለዉዎ ዝገለፁ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ምሁር ባህልን ስነ-ፅሑፍን መዝገበ ገብረሚካኤል ብደቂ ኣነስትዮ ዝኸውን ፍሉይ መልክዕን ሃፍትን ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ብሰነ ቃላውን ያታዊን ጥራሕ ዝግለፅ ዘይኮነስ ዝተፈላለዩ ተመራመርቲ ኣብቲ ዓውዲ ብዘካየድዎ መፅናዕትን ክሳብ ሐዚ ብዝተረኸቡ ዉፅኢት ስነ ዃዕትን ዉን ከም ዝተረጋገፀ ዮም ምሁራዊ ሓሳቦም ምግላፆም ተሓቢሩ ኣሎ።

ስለዝኾነ ድማ ኣሸንዳ 2015 ዓ/ም ደቂ ኣሸንዳ እንተኽብራን ነቲ ባዓል ኣመልኪቶም ዝሰናድኡ ዝተፈላላዩ ትሕዝቶ ዘለዎም መድረኻትን ንህልዊ ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ብዝገልፅ መልክዑ ክኸዉን ከም ዘለዎ ምሁራዊ ሓሳቦም የቕርቡ።

እዚ በዓል ኣብ መላእ ትግራይ ብዝተፈለየ ድምቀትን ክወናን ኣሸንዳ፣ ማርያ፣ዓይኒ ዋርን ካልኦትን ብዝብሉ ስያመታት ከም ዝኽብር ዝገለፁ ዶክተር ዳኒኤል ተኹሉን ዶክተር ትካቦ ገብረስላሴን ትውፊታትን ባህልን ህዝቢ ትግራይ ምስ ተፈጥራዊ ፅባቐን ፀጋታትን ሓቚፉ ዝሓዘ ስለዝኾነ ስነ-ልቦና ህዝቢ ብሓፈሻ ስነ ልቦና ደቂ ኣነስትዮ ድማ ብፍላይ ኣብ ምሕዋይ ዘለዎ ግደ ዕዙዝ ስለ ዝኾነ ወቂቡን ደሚቑን ክሓልፍ ናይ ኩሉ ምርብራብ ከም ዘድሊ ዉን ኣስሚሮም።

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን
15 ነሓሰ 2015 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons