ምስፍሕፋሕ ሓመድ ኣልቦ ቴክኖሎጂ ሕርሻ
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ ዩኒሴፍ ብዝረኸበቶ ሓገዝ ገንዘብ ብሓመድ ኣልባ ቴክኖሎጂ ሕርሻ ኣቢልካ ቀልጢፎም ዝበፅሑ ዝተፈላለዩ ኣሕምልትን ፍረምረን ብምፍራይ ንትሕቲ 5 ዓመት ህፃናት ትግራይ ብፍላይ ካብ 6-23 ወርሒ ዕድመኦም ንዝኾኑ ዕሸላት ዝተመጣጠነ ምግቢ ክረኽቡ ብምግባር ዕብራንን ድኽዳኸን ንምቕናስን ዕብየት ኣእምሮ ክብ ንምባልን ዓሊሙ ኣብ ምስራሕ ዝርከብ ፕሮጀክት ስነ መኣዛ ተሳለጥ ኣላ።
እቲ ፕሮጀክት ኣብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ሕርሻ ቓላሚኖ ማእኸል መሰልጠኒ ሰብ ሞያ ሕርሻን ሰሪሕኻ መርአይን ብምድላው ይሳለጥ ዘሎ እንትኸውን ኣብ ኣይናለም፣ ማይጨውን እንዳመኾንን ዝርከቡ 50 መራሕቲ ስድራ ብምስልጣንን ናብ ስራሕ ክኣትዉ ብምግባርን ዝከናወን ከምዝኾነ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣፍሊጣ።
ፕሮጀክት ሓመድ ኣልባ ቴክኖሎጂ ሕርሻ ዋይ ቢ ሃይድሮፎኒክ ፋርሚንግ ብዝተብሃለ ትካል ቴክኒካዊ ስራሕቲ ዝሳለጥ ኮይኑ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ድማ ኣብ ሕብረተሰብ ዘምፅኦ ለውጢ መሰረት ዝገበረ መፅናዕቲ ዘካይድ ይኸውን።
እቲ ፕሮጀክት ብሕፅረት ምግቢ ዝሳቐዩ ህፃናት ትግራይ፤ ዓለም ለኸ መምዘኒ ኣመጋግባን ስነ-መዓዛን ዘማልኡ ኣሕምልትን ፍረምረን ኣብ ከባቢኻ ብቕልጡፍ ብምፍራይ ዕብራን፣ድኽዳኸን ዝሕታለ ኣእምሮን ብምቕናስ ጥዕንኡ ዝተሓለየ ዜጋ ንምፍራይ ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ይእመን ኢሉ ኣሎ መርበብ ሓበሬታ ማሕበር ልምዓት ትግራይ።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን
18 ነሓሰ 2015 ዓ.ም
መቐለ

