ዓይኒ ዋሪ ንሰላም፣ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ብዝብል መራሒ ሓሳብ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝኽበር ዘሎ በዓል ዓይኒ ዋሪ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ደሚቑ ይቕፅል ከም ዘሎ ድወት ሓቢሩ ኣሎ።
ኣብቲ በዓል መልእኽቲ ዘሕለፉ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዶክተር ኣፅብሃ ገብረእግዚኣብሄር ክብርታት በዓል ዓይኒ ዋሪ ብምዕቃብ በሰላታት ቕሉዕ ወራር ንምሕዋይ ናብ ረብሓ እንልዉጠሉን ክኸዉን ኩሉ ብፅሒቱ ብኣግባቡ ንኽፍፅም ከም ዝሓበሩ እውን ተመልኪቱ ኣሎ።
ከንቲባ ከተማ ኣክሱም ኣይተ ኣበበ ብርሃነ ብተመሳሳሊ ባህላዉን ሃይማኖታውን ትሕዝቶታቱ ዓቂብካ ብምቕፃል ንኩለ መዳያዊ ረብሓ ክነውዕሎ ከምዝግባእ ኣግንዚቦም ዝበለ እቲ ሓበሬታ፣ ብዋናነት ሃይማኖታውን ባህላውን ትሕዝቶ እቲ በዓል ተዓቂቡ ንክቕፅልን ኣብ መዝገብ ዘይድህሰሱ ሓድግታት ዓለም ብምምዝጋብ ናብ ረብሓ ንምውዓል ዘኽእሉ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ብምሁራን ቀሪቦም ከም ተዘትዩሎም ኢሉ ኣሎ።
ዓይኒ ዋሪን ሳባዊን ፅሑፋት፣ታሪኻዉን ባህላውን ክብርታት ዓይኒ ዋሪ ንሰላምን ሕውየትን፣በዓል ዓይኒ ዋሪ ንዕቤት ስነ ህዋፀ፣ሸገነት ዓይኒ ዋሪ ትማልን ሎምን ዝብሉ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ከምዝተዘተየሎም እውን ተገሊፁ ኣሎ።
ብሓፈሻ ንክብረ በዓል ዓይኒ ዋሪ ዘድምቑን ዘጉልሁን ምድላዋት እናተወገኑ ይቕፅሉ ኣለዉ ዝበለ ድወት፣ እቲ ዓሚቕ ትርጉምን ትሕዝቶን ክብረ በዓል ዓይኒ ዋሪ፣ኣሸንዳን ማርያን ኣብ ኣከዳድና፣ኣጠቓቕማ መጋየፅታትን ካልኦትን እቲ ታሪኻዊ ትሕዝቶኡ ይለቅቕ ስለዘሎ እዚ ድማ ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ ቀንዲ ማሕለኻ ስለዝኾነ ንክስተኻከል ዝተዋደደ ፃዕሪ ከምዘድሊ ተመላኺቱ ኣሎ።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን
23 ነሓሰ 2015 ዓ.ም
መቐለ

