በዓል መስቀል 2016 ዓ.ም ኣብ መቐለ ጎቦ ጮምዓ ዝኽበር፣ዝበፅሐና ሃሰያን ዝተኸፈለ መስዋእትን ኢሉ እውን ዝተፈናቐለ ህዝብና፣ ሂወቶምን ኣካሎምን ዝገበሩ ወገናትና እናኽበርናን እናዘከርናን ብሓፈሻ ነቶም ኣብ ፀገም ዘለዉ ወገናትና እናሓገዝና ከምዝኾነ ማሕበር ልምዓት ጮምዓ መቐለ ሎሚ 09 መስከረም 2016 ዓ.ም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ገሊፁ።
ኣቦ መንበር ማሕበር ልምዓት ጮምዓ ኣይተ ገብረሂወት ተኽለሃይማኖት ከምዝበልዎ፣”በዓል መስቀል 2016 ዓ.ም ንሰላምን ዳግመ ሕውየትን ትግራይ” ብዝብል መራሕ ሓሳብ ዝበዓል ኮይኑ፣በዓል መስቀል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ቅሉዕ ኲናት በቲ ዝድለ እናተብዓለ ከም ዘይመፀ ብምዝኽኻር፣ሕዚ እውን እቲ በዓል ሙሉእ ንከይኸውን ዝገብርዎ ብርክት ዝበሉ ፀገማት ሒዝና ኢና እነብዕሎ ዘለና ምስ በሉ፣እቲ በዓል ሃይማኖታውን ባህላውን ክብርታቱ ብምዕቃብ ንዝተመዛበሉ ወገናትና እንሕግዘሉ፣ዝተፀገሙ አሕዋትናን አሓትናን እንሕብሕበሉን ኣብ ዝተፈላለየ ፀገም ንዝርከቡ ወገናትና ፀገሞም በብዓቕምና እነቃልለሉን ኮይኑ ንክሓልፍ እምበር ኩሉ ነገር ኣብ ዝተማለአ ኮይንና ነኽብሮ ከም ዘየለና ርዱእ ክንገብር ይግባእ ኢሎም።
እቲ በዓል በቲ ልዕል ኢሉ ዝተሓበረ መንፈስ ንምብዓል ዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ከምዝተዳለዉ ዝሓበሩ ኣይተ ገብረሂወት፣12 መስከረም ስራሕቲ ፅሬት ኣብ መቐለ ከም ዝሳለጥ፤13 መስከረም ቅድሚ ቀትሪ ዓብይ ጉያ መበገሲ ኣደባባይ ሮማናት መወድኢ ጎቦ ጮምዓ ከምዝካየድ፤ ድሕሪ ቀትሪ ዋዕላ ኣብ ሃፀይ ዮሃንስ ሆቴል ሰዓት 8:00 ኣብ ክሊ ዝበፅሑናን ይበፅሑና ዘለዉን ፀገማት ፈቲሕና ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ መንፈሳውን ባህላውን ፀጋታትና ከመይ ናብ ረብሓ ነውዕሎም ዝብል ከም ዝተዳለወ፤ 16 መስከረም ምሸት ድማ ከምቲ ልሙድ ደመራ መስቀል ኣብ ጎቦ ጮምዓ ክበዓል እዩ ድሕሪ ምባል፣ ብሓፈሻ በዓል መስቀል ሓድነትና፣ምትሕግጋዝናን ምድግጋፍናን እነሐይለሉ ንፅጉማትን ተመዛበልትን ወገናትና በብዝከኣለና እናሓገዝና ነብዕሎ በዓል ኮይኑ ክሓልፍ ምድላው ከም ዝተገበረን ከም ዝግባእን ኣቦ መንበር ማሕበር ልምዓት ጮምዓ ገሊፆም።
ፀሓፊ እቲ ማሕበር ኣይተ ዘልኣለም ኣታኽልቲ ብግደኦም፣በዓል መስቀል ሃይማኖታውን ባህላውን ትውፊታቱ ሓልዩ እናተኸበረ ምምፅኡ ብምዝኽኻር፣ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ግና ብሰንኪ እቲ ዝበፅሐና ከቢድ ፀገም ከምዘይተኻየደን ሎሚ ዓመት እውን እንተኾነ ነቲ ዘለናዮ ጊዜን ንዝበፅሐና ጀኖሳይድን ዘንጊዕና ዘይኮነስ እቲ በዓል ነቲ ዝበፅሐና ፀገም ብዘቃልል ብዝተኽኣለ እናተሓጋገዝናን እናተደጋገፍናን ከነብዕሎን ንምግባር እዩ ምስ በሉ፣ ካብ ክብሪ እቲ በዓል ብምብጋስ ጎቦ ጮምዓ ናብ ረብሓ ኢኮኖማያዊ ቱሪዝም ንምልዋጥ መደብ ከም ዝተትሓዘ ብምጥቃስ ብሓፈሻ እቲ በዓል ልምዓት እናሓሰብና እንፅናዕነዐሉን እንፀንዐሉን በዓል ኮይኑ ክሓልፍ ከም ዝግባእ ሓቢሮም።
ካብ ዓበይቲ ዓዲ ተወካሊ ኣይተ ሕሉፍ ተስፋይ ብወገኖም፣ ፀላእትና ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ተላፊኖም ብኣርባዕተ ማእዝን ከቢቦም ንክግለፁ ዝኸብድ በደላት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣብፂሖም እዩም። ካብዚ ንምውፃእ ብዙሕ መስዋእቲ ተኸፊልዎ እዩ። ነቶም ሰማእታትናን ኣካሎም ዝጎደሉን ዝቖሰሉን በዚ በዓል እናዘከርናን እናሓብሐብናን ንስድራ ስዉኣት እናፅናዕናዕናን ኢሉ ውን ዝተፈላለዩ ደገፋት እናገበርናን ከም ወለድና ኢሂን ምሂን እናተበሃሃልና በዓል መስቀል ከነኽብሮን፣ ብሰላም ክነሕልፎን ይግባእ ዝበሉ ድሕሪ ምባል፣ እዚ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገረ ዝመፀ በዓል መስቀል ኣሰሩ ከይጠፍእ ክብርታቱ ክንሕልዎን ክንጥቀመሉን፣ ብሰላም ንክበዓል እውን መላእ ህዝቢ ብፍላይ መናእሰይ ምስ ኣካላት ፀጥታ ብምትሕብባር እጃሞም ከበርክቱ ፀዊዖም።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
09 መስከረም 2016 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons