ሲስተር መድህን ተስፋይ ዓለም ለኸ ሽልማት ሮሜሮ ተበርኪቱለን።
ሲስተር መድህን ተስፋይ ኣብ ኢትዮጵያ ንኣስታት ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምሕጋዝን ህይወት ዘድሕን ስራሕ ኣብ ምስራሕን ንዝነበራ ፍሉይ ተወፋይነትን ሰናይ ተግባርን ኣፍልጦ ብምሃብ ኣብ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ዋዕላ ትሮካየር ኣህጉራዊ ሽልማት ሮሜሮ ከም ዝተበርከተለን ተገሊፁ እዩ።
ንመርበብ ሓበሬታ ትሮካየር ብምፅራሕ104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ከም ዝፀብፀቦ ኣብ ክልል ትግራይ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ዝፀንሐ ጎንፂ ንዝተፀገመ ህዝቢ ኣብ ምሕጋዝ ዘርኣየኦ ዝናኣድ ምንቅስቓስ እውን ክብሪ ተዋሂቡወን ኣሎ ።
 
ሲስተር መድህን ተስፋይ ኣብ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ጉባኤ ትሮካይር ተረኺበን ምንባረን ዝተገለፀ እንትኾውን ኣብቲ ጉባኤ ትሮካየር ሮሜሮ ኣህጉራዊ ሽልማት ብኣቦ መንበር ናይቲ ትካል ዝኾኑ ጳጳስ ዊልያም ክሬን ከም ዝተውሃበን እውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ ይብል እቲ ሓበሬታ።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
11 መስከረም 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons