ብሰንኪ ኲናት ዝዓነዉ ተፈጥሮኣውን ሰብ ሰራሕን ሓድግታት ንምሕዋይ ኣበርቲዑ ከም ዝሰርሕ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ኣፍሊጡ።
 
ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ዛይድ ነጋሽ (ዶ/ር) ኣብ ዙርያ ዕንወትን ዳግመ ሕውየትን ሓድግታት ኣመልኪቶም ንጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ሓድግታት ትግራይ ማእለያ ዘይብሉ ጉሕለትን ዕንወትን ከም ዝተፈፀመ ብምግላፅ ዓውዲ ኢንዳስትሪ ቱሪዝምን ኣርኪኦሎጂን ንክብርኽ ግደኦም ከምዘበርክቱ ኣረጋጊፆም።
 
ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣፅብሃ ገብረእግዚኣብሄር (ዶ/ር) ፍልፍል መንነት ዝኾኑ ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ሓድግታት ኣብ ምዕቃብ ልዑል እጃም ኣለዎ ድሕሪ ምባል፤ ኣብ ኣርባዕቲኦም ዩኒቨርስቲታት ትግራይ ዘሎ ውህሉል ዓቕሚ ብምጥቃም ፀጋታት ቱሪዝም ናብ ረብሓ ኣብ ምቕያር ብዕቱብ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ኣርኪኦሎጂ ኣይተ ሃይላይ ኣፅብሃ ብወገኖም ዓለም ለኸ ስምምዕነት ኣተሓሕዛ ሓድግታት ኣመልኪቱ ቅድሚ ኲናት ኣብ እዋን ኲናትን ድሕሪ ኲናትን መበገሲ ገይሮም ኣብ ዓውዲ ቱሪዝምን ኣርኪኦሎጂን ብዝነጥፉ ብናይ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ምሁራን መፅናዕታዊ ፅሑፍ ከም ዝቐረበን ንሕውየት ሓድግታት ትግራይ እቲ ዩኒቨርሲቲ ካብ መፅናዕቲ ዝብገስ ዕማም ከም ዝፍፅም ኣረዲኦም።
እዚ ዝተገለፀ ብኣሰናዳእነት ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ኣብ ዝተኻየደ መበል 6ይ ዓመት ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ምዕቃብ ሓድግታት እዩ።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
14 መስከረም 2016 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons