ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዙርያ ምጥያሽ ኣማኻሪ ካውንስል ግዝያዊ ምምሕዳር ጠሚቶም ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ምስ ዝመፁ መናእሰይ ፣ደቂ ኣንስትዮን ዓበይቲ ዓድን ሎሚ 6 ሕዳር 2016 ዓ.ም ዘተ የካይዱ ኣለዉ።
ኣብቲ መድረኽ እቶም ፕረዚደንት ከምዝበልዎ፣ ኣብ ትግራይ ስሩዕ ቤት ምኽሪ ብዘይምህላዉ ዘሎ ሓጓፍ ንምምላእ ኣማኻሪ ካውንስል ምጥያሽ የድሊ እዩ ምስ በሉ፣ እቲ ኣማኻሪ ካውንስል ድማ ሙሉእ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ብዘረጋግፅ መልክዑ ንምጥያሽ ኣወዳድብኡ ዝምልከት ርኢቶ ተሳተፍቲ ወሳኒ ምዃኑ ገሊፆም።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዙርያ ምጥያሽ ኣማኻሪ ካውንስል ምስ ፖለቲካዊ ውድባት፣ሓፋሽ ማሕበራት፣ሲቪኽ ማሕበረሰብ፣ኣባላት ፀጥታ ትግራይ፣ምሁራትን ካብ ኢሮፕን ኩናማን ምስዝመፁ መድረኽ ምክያዱ ይዝከር።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን
06 ሕዳር 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons