ኣየርላንድ ኩለመዳያዊ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ንምቅላል ኣብ ዘኽእሉ ንምስታፍ ድልውነታ ኣረጋጊፃ።
ብኣምባሳደር ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ሚስ ኒኮላ ብረናንን ዳይሬክተር ልምዓት ኣይርሽ ኤይድ ሚስ ሜሪ ሃልይ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ዘተ ኣካይዳ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዑደት ዘሳለጠ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኣየርላንድ ኣብ ሽረ ፣ኣክሱም ዓዲግራትን ይካየዱ ዘለዎ ስራሕቲ ድማ ተዓዚቡ ኣሎ።
እቲ ጉጅለ ድሕሪ እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘካይድዎ ዑደት ሎሚ ረፋድ ምስ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ብስፍሓት ዘትዮ ኣሎ ።
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ኩናት ስዒቡ ኣብ ትግራይ ንዝበፅሐ ዓፀባን ፀገማትን ከቃልሉን ፍታሕ ክግበረሎም ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ደው ዝበለ መንግስትን ህዝብን ኣየርላንድን ምስግና ይግባእ ዝበሉ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ሕዚ እውን ዘለዎ ሰፋሕቲ ማሕበራዊ ቁጠባዊ ፀገማት ኣብ ምቅላል መንግስቲ ኣየርላንድ ከምቲ ልሙድ ሓገዙ ከጠናኽር ፀዊዖም።
ስምምዕ ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ክትግበር፣ ተመዛባልቲ ናብ ቦቶኦም ክምለሱ፣ ዳግማይ ህንፀት ክቀላጠፍ ኣብ ዘኽእሉ ስራሕቲ ኣየርላንድ ብዕቱብ ክትሰርሐሉ ፕረዚደንት ጌታቸው ተላቢዮም።
ኣምባሳደር ኒኮላ ብራነን ብግደአን መንግስቲ ኣየርላንድ ቅድም ኢሉ ብመንገዲ ኣይርሽ ኤይድ ጀሚርዎም ዝነበሩ ስራሕቲ ክጠናኸሩ ፣ብፍላይ ሕዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ትግራይ በፂሑ ዘሎ ዕንወት ዳግም ንምህናፅ ዘኽእሉ ዳህሳሳትን መፅናዕትታትን ምክያድ ኣካል ዑደትን ምዃኑ ሓቢረን።
ሚስ በርነን ወሲኸን ከምዝገለፀኦ ሕዚ እውን ኣየርላንድ ኣብ ጎኒ ትግራይ ደው ብምባል ህዝቢ ትግራይ ንምሕጋዝ ፣ዳግመ ሕውየቱ ንምርግጋፅ ግደኣ ከምእትፍፅም ኣረጋጊፀን።
[
ሕዳር 13 /2016 ዓ.
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
መቐለ

