ዋና ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ተሸሊሞም
ዋና ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ተሻለሚ ማእኸል ምርምርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪካ 2023 ዓመተ ፈረንጂ ብምዃን ሽልማቶም ኣብ ሃገረ ዛምብያ ተቐቢሎም።
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ካብ ማእኸል ምርምርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪካ ኣብ ጥዕና ማሕበረሰብ ብዝሰርሕዎ ዕውት ስራሕ እዩ ሽልማት ረኺቦም ዘለው ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ሕብረት ኣፍሪካ ናይ እንኳዕ ደስ በለካ መልእኽቲ ዘሕለፈ እንትኸውን፣ ዶክተር ቴድሮስ ዓለምለኻዊ ጥዕና ሕብረተሰብ ክሕሎ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ከምዝገብሩ ዘለውን ዕውት ስራሕ ከምዝሰርሑን ብምግላፅ ብስርሖም ኩርዓት ከምዝተሰምዖ ገሊፁ።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
18 ሕዳር 2016 ዓ.ም
መቐለ

