ናብ በዓል ሕዳር ፅዮን ኣክሱም ይኸዱ ዘለዉ ኣጋይሽ ኣቀባብላ ይግበር ኣሎ።
 
ምምሕዳር ከተማ ሸረ እንዳስላሰ ብምኽንያት በዓል ሕዳር ፅዮን ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ናብ ኣክሱም ይኸዱ ዘለዉ ኣጋይሽ ኣቀባብላ ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ።
ነቶም ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያን ወፃኢ ሃገራትን ዝመፁ ኣጋይሽ ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ ተረኺቦም እንኳዕ ዳሓን መፃኹም ኢሎም ዝቕበሉዎም ዘለዉ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋል ሕብረተሰብን መራሕቲ ሃይማኖትን እንትኾኑ፣ድሕሪ ከቢድ ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ዓፀቦ ከምዚ ምርኻብና ንፈጣሪና ልዑል ምስጋና እናቕረብና እዚ ሎሚ ዝግበር ዘሎ ኣቀባብላ ኣጋይሽ ድማ ክቡር ባህሊ ትግራይ ስለ ዝኾነ ብታሕጓሶ ንቕበሎም ኣለና ኢሎም።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ዝተረኸቡ ከንቲባ ከተማ ሸረ እንዳስላሰ ኣይተ ገብረመድህን የውሃንስ፣ ነዚ ኣቀባብላ ከም ከተማ ዝለዓለ ትኹረት ሂብናን ዝተፈላለዩ ኮሚቴታትን ኣጣይሸና ዕውት ብዝኾነ መንገዲ ኣጋይሸና ንቕበል ኣለና ድሕሪ ምባል በዚ ኣጋጣሚ ንህዝቢ ትግራይ እንኳዕ ጭላንጭል ሰላም ኣብ ዝተርኣየሉ ኮይንና በዓል ሕዳር ፅዮን ኣክሱም ንምብዓል ኣብቀዐና ኢሎም።
 
እቶም ኣጋይሽ ብግደኦም፣ሳላ ብመስዋእቲ ዝተረኸበ ሰላም ናብዚ ምብቃዕና ሕጉሳት ኢና እንኳዕ ብሰላም ኣራኸበና ድሕሪ ምባል እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሰላም ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ብምምናይ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ናብ ሽረ ብነፋሪት ብምምፃእ መሊስና ድማ ናብ ኣክሱም ኢና ክንኸይድ። ስለዚ እቲ ሕብረተሰብ ካብ ዝንገላታዕ ናብ ኣክሱም ቀጥታ በረራ ዝጅምረሉ ኩነታት ክመቻቾ በዚ ኣጋጣሚ እዙይ ንሓትት ኢሎም።
መዕረፎ ነፈረቲ ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ መዓልታዊ በዝሒ በረራ ብምኽንያት በዓል ሕዳር ፅዮን ብምዝያድ የተኣናግድ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፤ ክብል ዝሓበረልና፣ ሓበሬታን ርክብን ከተማ ሽረ እንዳስላሰ እዩ።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
20 ሕዳር 2016 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons