ልኡኻት ጉጅለ ኣባላት ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ እናዘተዩ እዮም
 
ብሚስ ኢዛቢየል ዋይዝለር ዝተመርሑ ልኡኻት ጉጅለ ኣባላት ፓርላማ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣድሂቦም ምስ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ይዝትዩ አለዉ።
ኣብቲ ዘተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እናተሳተፉ ዝርከቡ ኮይኖም ዕላማ እቲ ዘተ ተግባራዊነት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ፣ ህልዊ ኩነታት ትግራይ፣ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ስዒቡ ዝተፈፀሙ ገበናት ዝምልከት መስርሕ ተሓታትነት፣ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ግደ ሕብረት ኣውሮፓን ብስፍሓት ትኹረት ዝገበረ ምዃኑ ተገሊፁ።
ኣብቲ ዘተ ትግበራ ውዕሊ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣድሂቡ ቕልጡፍን ብዙሓት ስራሕትን ክስራሕ ከምዝግባእ ዝተሓበረ ኮይኑ፣ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕረቶሪያ ቶኽሲ ጠጠው ዋላ እንተበለ ብዙሓት ዘይተፈትሑን ዘይተፈፀሙን ጉዳያት ከምዘለዉን ህፁፅ ፍታሕ ከምዘድልዮምን ተገሊፁ ኣሎ።
 
ኣብቲ ዘተ ጉዳይ ሰብአዊ ሓገዝን ካልኦትን ትኹረት ክግበረሉ ከምዝግባእ ከምኡ እውን ዘላቒ ሰላም ንክዓስል ተሓታትነት ክነግስ ክስራሕ ከም ዘለዎን ተሓቢሩ።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
09 ታሕሳስ2016 ዓ/ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons