ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ምገባ ተምሃሮ ንምክያድ ቅድመ ምድላው ምውጋኑ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣፍሊጡ።
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ኣካላት መከፋፈልቲ ቢራ ንመፈፀሚ ፕሮጀክታት ምገባ ተምሃሮን ህንፀት ፍሉይ 2ይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርትን ዝውዕል ካብ ሓደ ካሳ ቢራ ብር 10 ንምውፋይ ስነ-ስርዓት ስምምዕ ፊርማ ሎሚ 11 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ተኻይዱ።
 
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ስምምዕ ፊርማ ዝተረኸቡ ፈፃሚ ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገብረእግዝኣብሄር ከምዝበሉዎ፣ ኣብ ትግራይ ኣጋጢመ ዘሎ ድርቂ ህፁፅ ሓገዝ ንምግባር ምስ ኣብ ትግራይ ዘለው ኣካላት መከፋፈልቲ ቢራ ዝተገበረ ስምምዕ፣ መስተ ቢራ ንምፍላጥ ተደልዩ ዘይኮነስ እቲ ምስታይ ዘይተርፍ እንተኾይኑ ግና እናልማዕና ብድርቂ ዝተጎድአ ህዝቢ ብምሕጋዝ እንተኾነ ይሐይሽ ብዝብል ካብ ሓደ ካሳ ቢራ ብር 10 ንምውፋይ ስምምዕ ተገይሩ ኣሎ።
ኣብ ትግራይ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዝርከብ ህዝቢ ብፍላይ ህፃናት ትግራይ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ንስነ-ስርዓት ምገባ ሃፍቲ ምትእኽካብ ዘኽእል ስነ-ስርዓት ምትእኽኻብ እቶት ከምዝኾነ ኣይተ ተስፋይ ገሊፆም።
 
መካየዲ ስራሕ ቢራ ዳሽን ጨንፈር ትግራይ ኣይተ ኣለም ገብረትንሳኤ፣ ማርኬቲንግ ማናጀር ቢራ ሄኒኬን ኣይተ ኣሸናፊ ሰለሞንን መካየዲ ስራሕ ቢራ ሓበሻ ጨንፈር ትግራይ ኣይተ ዳንኤል ፀጋይን ብወገኖም ኣብ ትግራይ ኣብዚ እዋን ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ንምእላይ ኣብ ዝግበር ርብርብ እውን ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣብ ምሕጋዝ ከም ዝርከቡ ገሊፆም።
ኣብ ትግራይ ኣብ ዝግበሩ ስራሕቲ ልምዓት ፃውዒት ማልት ብምቕባል ንፕሮግራም ምገባ ህፃናት ትግራይ፣ ንህንፀት ዝተቛረፁ ፍሉያት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርትን ዝውዕል ገንዘብ ካብ መሸጣ ቢራ ብምእካብ ማሕበራዊ ሓላፍነቶም ካብ ምውፃእ ሓሊፎም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥምየት ዘሎ ህዝቢ ንምድሓን ዝኽእሉዎ ኩሉ ንምግባር ቃል ኣትዮም።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
11 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons