ኣብ ወረዳ ራያ ጨርጨር ኣጋጥሙ ዘሎ ዕስለ ዒፍ ኣብ ልዕሊ ዝራኢቲ ልዑል ጉድኣት የብፅሕ ከም ዘሎ ተሓብሩ።
ኣብ ወረዳ ራያ ጨርጨር ኣጋጥሙ ዘሎ ዕስለ ዒፍ ኣብ ልዕሊ ዝራኢቲ ልዑል ጉድኣት የብፅሕ ከምዘሎ ካብ ቢሮ ሕርሻ ክልል ትግራይ ዝተልኣኸ ጉጅለ ሓቢሩ። መተሓባበርን ምክልኻል ባልዕ ዳይሬክተር ኣይተ መብራህቶም ገብረኪዳን ከም ዝበልዎ እዚ ዕስለ ዒፍ ካብ ከባቢ ኣዋሽ ሓጓፍ ሽንጥሮ ከም ዝተበገሰን ኩሉኩሉ (ብከባቢ ራያ ድማ ዒፍ ዋጃ) ዝበሃል ዝርያ ዒፍ ከም ዝኾነ ገሊፆም ፡፡ እዚ ዒፍ እግሩ ቀይሕ ኮይኑ ዝባኑ ድማ ነጠብጣብ ዘለዎ ኮይኑ ዝራኢቲ ብጣዕሚ ከም ዝበልዕ ገሊፆም ፡፡
ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ራያ ጨርጨር ኣይተ ካልኣዩ ግደይ ብግደኦምኣብ ዘመነ ምህርቲ 2015ን 2016ን ዓ/ም ከም ወረዳ 634,339 ኩንታል ክርከብ ትልሚ ተታሒዙ ይስራሕ ዋላኳ እንተነበረ ብሰንኪ ሕፅረት ዝናብ ናብ 12,977.5 ኩንታል (2.04 ሚእታዊ) ክወርድ ኪኢሉ እዩ ኢሎም ካብዚ ብተወሳኺ ‘ውን እዚ ሐዚ ገጢሙና ዘሎ ዕስለ ዒፍ ካብዚ ክቕንስ ከም ዝኽእል ሓቢሮም።
ክኢላ ፀረ ባልዕ ወረዳ ራያ ጨርጨር ኣይተ ዳኒኤል ግርማይ ብጊደኦም፣ እዚ ዕስለ ዒፍ ጎረባብቲ ክልላት ጢሒሱ ይመፅእ ከም ዘሎ ዋላ መረዳእታ ይሃልወና ብሰንኪ ፀገም ፀጥታ ኣብ ዘለዎ ቦታ ከይድና ክንከላኸሎ ብዘይምኽኣልና ገባርና ጠሊ ብምዕቃብ ካብ ድርቂ ዘትረፈን ዝራእቲ የጥቐዖ ከም ዘሎ ገሊፆም። ኣንሕና እውን ኣብ ባይታ ወሪድና ከም ዘረጋገፅናዮ እዚ ዕስለ ዒፍ በዝሒ ከም ዘለዎን ቀዲሞም ዝራእቶም ዘይኣከቡ ገባራት የጥቅዕ ከም ዘሎ ክነረጋግፅ ኪኢልና ኢና። እዚ ዕስለ ዒፍ ብጣዕሚ ቅልጡፍ ብምዃኑ መንግስቲ ይኹን ዝምልከቶ ኣካል ትኹረት ሂቡ ተዘይሰሪሕሉ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ናብተን ብመስኖን ይለምዓ ዘለዋ ሕርሻ ተዛሚቱ ከጥቅዕ ይኽእል እዩ ኢሎም ፡፡
ሓረስቶት ወረዳ ራያ ጨርጨር ዝኾኑ ኣይተ ሙሉ ካሕሳይን ሃይሉ ካሳን ካብ ጣብያ ወይራውሃ ኣይተ ልኡል ኣረፈን ኣሰፋ እንግዳን ካብ ጣብያ ኮርመ ከም ዝበልዎ ድማ እዚ ዕስለ ዕፍ ካብ ዕለት 2 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ከም ዝተርኣየን ኣብዚ ሓሙሽተ መዓልቲ ግና ቁፅሩ ወሲኹ ብምምፅኡ ኣብ ሊዕሊ ቀልጢፎም ዘይተላዓሉ ዝራእቲ ልዑል ጉድኣት የብፅሕ ከም ዘሎ ንሓበሬታን ርክብን ወረዳ ራያ ጨርጨር ፀሪሑ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ደቡብ ትግራይ ሓባሩ።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሸን ትግራይ
15 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም
መቐለ

