መምህራን ዛጊድ ዘይተኸፈሎም መሃያ ንክኽፈል ቢሮ ትምህርቲ ይኹን ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝኣምኑሉን ዝሰርሕሉን ዘለዉ ከም ከምዝኾነ ተሓቢሩ
መምህራን ብምኽንያት እቲ ጆኖሳይዳዊ ኩናት ስነ ልቦናዊ ማህሰይትን ቁጠባዊ ቅልውላው ከም ዝበፅሖምን ዛጊድ ዘይተኸፈሎም መሃያ ንክኽፈል ዘልዐልዎ ሕቶ ቢሮ ትምህርቲ ይኹን ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝኣምኑሉን ዝሰርሕሉን ዘለዉ ከም ከምዝኾነን ኣብ ዙርያ መምህራን ዘልዐልዎም ሕቶታት ኣመልኪቱ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ምስ ቢሮ ፋይናንስ ምትእኽኻብ ሃፍትን ምምሕዳርን ብሓባር ሎሚ ንሚድያታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ተሓቢሩ።
ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ ከምዝበልዎ፣መምህራን መሃያ ምኽፋል ምስተጀመረ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብቲ ምንም መሃያ ኣብ ዘይተኸፈሉሉ እዋን እናሰርሑ ከም ዝፀንሑ ብምዝኽኻር፣ ሐዚ እውን ዋላ ናይ 17 ኣዋርሕ መሃያ ኣይከፈሎም ነቲ ፀገም ተፃዊሮም ኣብ ምስራሕ ይርከቡ።
ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ውሱን ከባቢታት ስራሕ ጠጠው ዝበለሉ ኩነታት ኣሎ። ስለዚ መምሃራን ሕዚ እውን ነቲ ፀገማት ተፃዊሮም ምስራሕ ግቡኦም ጥራይ ዘይኮነስ ኣካል ናይቲ ብሄራዊ መኸተ ስለዝኾነ፣ እቶም ዝልዓሉ ዘለው ሕቶታት ድማ ትኽክለኛን መሰሎምን ከም ዝኾኑ፣ እቲ ሕቶ መምህራን ከም ኣካል ግዝያዊ ምምሕዳር መንግስቲ ትግራይ ቢሮ ትምህርቲ ዝኣምነሉን እናሰርሐሉን ከምዝርከብ ወሲኾም ገሊፆም።
ብሓፈሻ ሕቶ መምህራን ቅቡልን ሕቶ መሰልን እንትኾን ነዙይ ድማ ብሕጋዊ መንገዲ መሰልካ እናሓተትካ ስራሕኻ እናወገንካ ምኻድ ጠቓሚ ብምዃኑ መምህራን እውን ነዚ ብምግንዛብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ጠጠው ምባል ዘይሩዘይሩ ነቲ ወለዶ ዝጎድእን ከም ህዝቢ ትግራይ እውን ዝጠቕመና ስለዘይኮነ ኮታስ ብቀንዱ ዝጎድእ ንዓና ስለዝኾነ፣ ህዝብና ኣብ ከቢድ ኩነታት ኮይኑ ዝሓልፎ ዘሎ ፀገም ሕቶ ህልውና ከምዝኾነ ዝሓበሩ ዶክተር ኪሮስ፣ መምህራን ድማ ነቲ ዘለናዮ ኩነታት ብምግንዛብ እናሰርሑ ሕቶኦም ክቕፅልሉ ይግባእ ኢሎም።
መምህር ሓዊሱ ብዙሕ ተልእኾ ዘለዎ ኣብ ስራሕ ከምዘሎ ዘዘኻኸሩ እቶም ሓላፊ፣ ሕቶ ምልዓል ግቡእ ኮይኑ ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ዘሎ ህዝቢ ይኹን ገጢሞሙና ዘለዉ ፀገማትና ንምፍታሕ እናተቓለስና ስራሕና እናሰራሕና ክኸውንን መምህራን ነዚ ኩነታት ብምርዳእ እቶም ውሱናት ስርሖም ጠጠው ኣቢሎም ዘለዉ መምህራን ናብ ስርሖም ንክምለሱ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።
ሓላፊት ቢሮ ፋይናንስ ሃፍቲ ምትእኽኻብን ምምሕዳርን ትግራይ ዶክተር ምሕረት በየነ ብወገነን፣ ከም ዝፍለጥ ትግራይ ኣብ ብጣዕሚ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው እያ እትርከብ ምስበላ፣ መምህራን ድማ ካብቶም ብቁጠባ ዝተሃሰዩ ክፋል ሰራሕተኛ መንግስቲ ከም ዝኾን ኣብ ዕብየት ሓንቲ ሃገር ወሳናይ ታራ ዝፃወቱ ከም ምዃኖም መጠን ከምቲ ካሊእ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኣብቲ ዕፅዋን ክባን እውን ምስ መዓት ሽግሮም እናሰርሑ ከም ዝፀንሑ ኣዘኻኺረን።
ብመምህራን ዝቐረበ ሕቶ ትኽክል ከም ዝኾነን ደረጃ ብደረጃ ክፍታሕ ከም ዘለዎን ዝገለፃ እተን ሓላፊት፣ ሕቶ እናሓተትካ ስራሕኻ ምስራሕ ዲሞክራሲያዊ ሕቶ እዩ። እንተኾነ ግና ስራሕ ጠጠው ምባል ትኽክል ከምዘይኮነ ገሊፀን። እቲ ዘሎ ናይታ ክልል ፀገም ብተደጋጋሚ እናተገለፀ ከምዝፀንሐን ትግራይ ኣብ ብዙሓት ተደራረብቲ ፀገማት ስለዘላ ነዚ ብውነ ምግንዛብ ከምዘድሊ ድማ ሓቢረን።
ኣብዚ ምርዳእ ዘድሊ ፌዴራል መንግስቲ መሊኡ ዘይሃበና በጀት ስለዘሎ ነዙይ ድማ ብተደጋጋሚ እናሓተትና ኢና ዘለና ዝበላ ዶክተር ምሕረት፣ እዙይ ከም ዘሎ ኮይኑ ግና ልቓሕ ክወሃበና ሓቲትና ኣለና። ንሱ እዉን ኣብ ከይዲ ከምዘሎን እቲ ልቓሕ እንተተዋሂቡ ሓደ መፍትሒ ከምዝኸውንን ገሊፀን። ካብዙይ ዝኸፍአ ግና ተመዛቢሉ ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከብ ህዝቢ ከምኡ እዉን ብዘሎ ድርቂ ምኽንያት ኣብ ከቢድ ፀገም ዝርከብ ህዝቢ ዘሎ ምዃኑ ክንግንዘብ ኣለና ኢለን። ነዚ ከመይ ንደግፍ? ዝብል እውን ኣሎ።
መንግስቲ ትግራይ ሕቱኡ ብተደጋጋሚ ንፌደራል መንግስቲ እናሓተተ እዩ። ንመንግስቲ ትግራይ ድማ ብዙሕ ሕቶ እዩ ዝቐርበሉ ዘሎ። ንኹሉ ሕቶ ንምምላስ ግና ከም ውሽጣዊ ዓቕምታት ምዕባይን ካልኦት ስራሕትን ይስርሑ ከምዘለዉ ዝሓበራ ዶክተር ምሕረት፣ ንመምህራን ሓዊሱ ኩሉ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኣብ ከቢድ ፀገም ስለዘሎ ነዙይ ብውነ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ ኢለን። ብሓፈሻ ከም መንግስቲ መፍትሒ ንምምፃእ ይስራሕ ከምዘሎን ስራሕ ጠጠው ምባል ግና ዘይግቡእን ዘይጠቕመናን ስለዝኾነ መፍትሒ ክሳብ ዝርከብ ብውፉይነት ከነገልግል ይግባእ ኢለን።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
16 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም
መቐለ

