ታሽዓይ ሃገርለኸ ኮንፈረንስን ብደረጃ ዩኒቨርሲቲ ፈላማይ ኤግዚብሽን ቴክኖሎጂ ይሳላጥ ኣሎ ።
ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ መሪር ኩናት ፅንተት ናብ ምምሃር ምስትምሃር ዝተመለሰ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ታሽዓይ ሃገር ለኸ ኮንፈረንስን ፈላማይ ዩኒቨርሲቲ-ለኸ ኤግዚቢሽን የካይድ ኣሎ ።
ድህረ ኩናት ፥ ኣንፈታት ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ሃገርለኸ ኮንፈረንስ ሳዕቤናት ኩናት ፥ ህልዊ ኩነታት መበገሲ ዝገበሩ ኣምራት ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ መፅናዕታዊ ምርምራት ክቐርቡ ትፅቢት ይግበር ።
ኣብ መኽፈቲ ኮንፈረንስ ዘረባ ዘስምዑ ፕረዚደንት ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ፕሮፌሰር ገብረየሱስ ብርሃነ ድሕሪ ደማዊ ኩናት ሕሉፍ ሰለስተ ዓመታት ናብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃረ ዝተመለሰ እቲ ዩኒቨርስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ልዕሊ 1700 ተምሃሮ ከም ዘመረቐን ኣስታት 4 ሸሕ ድማ ሓደሽትን ነባራት ተምሃሮ ከም ዝተቐበለ ኣፍሊጦም።
ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ኣርባዕተ ቀፅርታት ዘለውዎ እንትኾን ብዘይካ ኣብ ሰለኽለኻ ዝርከብ ሳይነስን ቴክኖሎጂን ዝተረፉ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር የካይድ ምህላው ፕሮፌሰር ገብረየሱስ ኣረዲኦም ።
ምክትል ፕረዚደንት ምርምርን ግልጋሎት ማሕበረሰብን ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ዶክተር መኮነን ኣረጋይ ድማ ካብዚ ኮንፈረንስ ፀገም ሕብረተሰብ ዘቃልሉን ዝፈትሑን ምርምራት ክወፁ ትፅቢት ይግበር ኢሎም ።
እቲ ኮንፈረንስ ንዝቕፅሉ ክልተ መዓልቲታት ዝካየድ እንትኸውን ዝተፈላለዩ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ክዝተየሎም እዩ።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
18 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም
መቐለ

