ዝርካቡ ማይ ፅሬቱ ብዝሓለወ ንሕብረተሰብ ንምቕራብ ኣበርቲዕኻ ምስራሕ ከምዘድሊ ተሓቢሩ
እዚ ዝተሓበረ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ቀረብ መስተ ማይ ብዝምልከት ምስ ዋንዋሽ ናሽናል ፕሮግራም ብምትሕብባር ገምጋማዊ ስልጠና ኣብ ዘካየዱሉ እዩ።
እቲ መድረኽ ካብ ክልል ቢሮ ማይን ኢነርጂ ከይዲ ስራሕትን ዋንዋሽ ናሽናል ፕሮግራምን ብምትሕብባር ዝተሳለጠ ኮይኑ፣ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ቀረብ መስተ ማይ ኣይተ ታጠረ ሓዲስ ኣብቲ እዋን ከም ዝበሉዎ፣ ጎና ጎኒ እዚ መድረኽ ዓለምለኸ መዓልቲ ማይ ኣብ ዝኽበረሉ እዋን ዝካየድ ዘሎ መድረኽ ምዃኑ ብምዝኽኻር፣ “ማይ ንሰላም ሰላም እውን ንማይ ” ብዝብል መራሒ ሓሳብ እናተኸበረ ከምዘሎ ሓቢሮም።
ኣብቲ መድረኽ እቲ ዝርካቡ ማይ ፅሬቱ ብዝሓለወ ንሕብረተሰብ ንምቕራብ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኣለና ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር፣ ከይዲ ኣፈፃፅማ መደብ 8 ወርሒ ብምርኣይን ቀፃሊ ትልሚ ብዕውት መንገዲ ንምፍፃምን ዘኽእል ምቹው ባይታ ንምፍጣር ዝዓለመ ምዃኑ ድማ ገሊፆም።
ኣብ እንታይነትን፣ስራሕትን ተግባርን ዋንዋሽ ፣ ኣፈፃፅማ 8 ወርሒ፣ዘላቕነት ትካላት ክንክንን ሓለዋን መስተ ማይ፣ ገምጋምን ኣፈፃፅማን መስተ ማይ 8 ወርሒ እውን ከም ዝተገምገመ ተሓቢሩ ኣሎ። ከምኡ እውን ፅሬት ቀረብ መስተ ማይ ዝምልከት፣ ኣብ ስራሕቲ መስተ ማይ ምትእትታው ስርዓተ ፆታ ዝብሉ ዛዕባታት ኣብቲ ገምጋም ብዕሙቈት ተዘትይሉ እዩ ኢሎም።
ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ሕፅረት ሓይሊ ሰብን ኣወዳድባ መሓውር መስተ ማይን ምስ ኣቕረቡ፣ ዘለው ፀገማት ንምፍታሕ ፃዕሪ ከምዘካይዱን ፃዕሮም ብምጥንኻር ከምዝቃለሱን ገሊፆም እዮም።
እቲ ቢሮ ምስ ዝምልከቶ ብምዃን መፍትሒ ንምምፃእ ከምዝሰርሕን እንተኾነ ግና ክሳብ መፍትሒ ዝርከብ ኩሉ መሓውር ወረዳ ፀገማት ተፃዊሩ ንህዝቡ ብቕንዕናን ተኣማንነትን ከገልግል ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ክቕፅልን ከምዘለዎ ተገሊፁ ከም ፀብፃብ ኮሙዩኒኬተር ቢሮ ማይ ኢነርጅን ትግራይ።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
16 መጋቢት 2016 ዓ/ም
መቐለ

