ገጢሙና ዘሎ ኩለመዳይ ፀገማት ኣብ ምስጋር ግደን ኣበርክቶን ሲቪክ ማሕበራት ዝያዳ ዝጠልበሉ እዋን ንርከብ ክብሉ ኣካቢ ቦርድ ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገ/እግዛብሄር ገሊፆም ።
እዙይ ዝተገለፀ መበል 15 ዓመታዊ ጉባኤ ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ኣብ ዝሳለጠሉ ዘሎ መድረኽ እዩ ።
ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኸቡ ኣካቢ ቦርድ ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ኣይተ ተስፋይ እቲ ማሕበር ኣብ ትግራይ ብዝተኸፈተ ፅንተታዊ ኩናት ስዒቡ ኩሉ ትግራዋይ ዝበፅሖ ፀገም ኣብዚ ማሕበር ነው ተፈፂሙ እዩ ክብሉ ገሊፆም ።
ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ኣብቲ እዋን ኩናት ብዝርካባ ዓቕሚ ንህዝቢ እናሓገዘ መፂኡ ዝበሉ ኣይተ ተስፋይ ድሕሪ ስምምዕ ቶኹሲ ደው ምባል ፕሪቶርያ ሕፅረት ሰብኣዊ ሓገዝ ንክማላእ ኣብ ዘኽእሉ ተግባራት ፣ ጉዳይ ተሓታትነትን ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያን ኣብ ምርግጋፅ ፡ ዘላቒ ሰላምን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ከምኡ እውን እቲ ዝግበር ዘሎ ስግግር ኣሳታፊ ንክኸውን ኣብ ዝብሉ ዋኒናት ኣድሂቡ እናሰርሐ ከምዝመፅአ ሓቢሮም።
ብተወሳኺ ሕድሕድ ኣባል ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ዝኾና ትካላት ፀገም ህዝቢ ኣብ ምፍታሕ ዘይትካእ ግደ ስለዘለዎን ብፅሒተን ዝለዓለ እዩ ዝብሉ እንትኾን ዝርካባ ሓገዝ ንዝምልክቶ ብኣግባቡ ኣብ ምብፃሕ ሓለፍነቱ ክዋፃእ ፀዊዖም።
ዳይሬክተር ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ኣይተ ያሬድ በርሀ ብወገኖም እቲ ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ኣብ ዓቕሚ ህንፀት፣ ምሕላቕ ፣ምጥንኻር ወሽጢ ዓዲ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ርክብ ኣብ መንጎ ውሽጢን ዓለም ለኸ ትካላትን ኣብ ምፍጣር እናሰርሐ ከምዝመፅአ ገሊፆም።
ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀመ ፅንተታዊ ኩናት ሲዒቡ ኣብ ትግራይ መጠነ ሰፊሕ ፀገም ከምዘሎ ዝገለፁ ኣይተ ያሬድ በርሀ ብምዃኑ ድማ ብዙሕ ዕማማት ክንዓምም ትፅቢት ይግበር ክብሉ መልእኽቶም ኣሕሊፎም።
ሰፊሕ መሬት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ኣብ ዘለሉ፣ መንእሰይ እናተሰደደ ኣብ ዝርከበሉ፣ ብኩናት ዝተሃሰየ ህዝቢ ቀፂሉ ድማ ድርቁ ስዒቡ ንጥምየት ንዝተቓለዐ ህዝቢ ኣብ ዘለዎ ሓላፍነትን ብፂሒትን ሲቪክ ማሕበራት ዘይትካእ እዩ ክብሉ ኣይተ ያሬድ ወሲኾም ገሊፆም ።
ኣብቲ ዓመታዊ ጉባኤ ናይቲ ማሕበር ስራሕ ኣፈፃፅማን ኦዲት ሪፖርት ቀሪቡ ምይይጥ ተገይሩሉ ውሳነ ከምዝመሓላለፍ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ከም ፀብፀቦ ድወት።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙኒዩኬሽን ትግራይ
19 መጋቢት 2016 ዓ.ም
መቐለ

