ሕክምናዊ መጥባሕቲ ምልቆ ማህፀን
 
ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝርከብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ስሑል ዕውት ዝኾነ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ምልቆ ማህፀን የካይድ ከምዘሎ ሜዲካል ዳይሪክቶር እቲ ሆስፒታል ዶክተር አታኽልቲ ገሊፆም።
 
ዛጊድ ብጣዕሚ ከቢድ ፀገም ዝነበረን ትሽዓተ ኣዴታት ዕውት ብዝኾነ መንገዲ መጥባሕቲ ከምዝተገበረለንን እቲ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ብቐፃልነት ተጠናኺሩ ከምዝቅፅልን እውን ወሲኾም ገሊፆም።
ሓፈሻዊ ሆስፒታል ስሑል ዘካይዶ ዘሎ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ሓገዝ ኩሉ አካል ከምዝጠልብን ዝገለፁ ዶክተር ኣታኽልቲ እቲ ሐዚ ዝጥቀምሉ ዘለው መሳርሒ ብማሕበር ገባሪ ሰናይ ስሑል ዝተረኸበ ምዃኑ ኮሙዩኒኬተር እቲ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ፀብፂቡ።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
19 መጋቢት 2016 ዓ/ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons