ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ጥሜት ዘስዐቦ ሓደጋ ንምንካይ ሓገዝ ንክግበር ይ ፀዊዑ
ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ድርቅን ሳዕቤን ኲናትን ዝተፈጠረ ጥሜት ዘስዐቦ ሓደጋ ንምንካይ ስራሕተኛታት መንግስትን ውልቀ ትካላትን ካብ መሃይኦም ብጥሜት ንዝተጎድኡ ወገናት ክሕግዙ ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ፀዊዑ።
ስራሕተኛታት መንግስትን ውልቀ ትካላትን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት መሃያ ዘይተኸፈሎምን ማሕበራውን ቁጠባውን ፀገማት ዘለዎም እኳ እንተኾነ ፣ብሰንኪ ጥሜት ንዝተጎድአ ህዝቦም ካብ ዝኽፈሎም መሃያ ብድሌቶም ክሕግዙ ሓላፍነት ከምዘለዎም ኣመራርሓ ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣገንዚቦም።
ንህዝቢ ትግራይ ናብ ጥሜት ኣቃሊዑ ዘሎ ድርቂ ኣብ ምምካት ሃይማኖታውን ሞራላውን ግቡእ ምዃኑ መራሕቲ ሃይማኖት ምትሕስሳቦም ዝተሓበረ ኮይኑ፣ ዝኾነ ይኹን እቶት ዘለዎ ብዝኾነ ዓይነት ሞያ ዝመሓደር ዝምልከት ዘምዝኾነን ሳላ ዝተሓባበርና ኢና ናብዚ ብርኪ በፂሕና ዘለና፣ ሕዚ’ውን በብእንኽእሎ እናተደጋገፍና ወገናትና ነድሕን ክብል ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣገንዚቡ::
ብሓፈሻ ኩሉ ኣብዚ ሰናይ ተግባር ኢዱ ክዝርግሕ ንላቦ እቲ ምንታይሲ ገንኢ ብፀፀር ይድገፍ እዩ ዝበለ እቲ ሓይሊ ዕማም ምእንቲ ህዝብኹም ኩሉኹም እትኽእሉዎ ክተወፍዩ ንፅውዕ ኢሉ።
27 መጋቢት 2016 ዓ.ም
መቐለ

