ዘይሕጋዊ ስርዓት ንግዲ ናብ ንቡር ንምምላስ ብዝተዋደደ መልክዑ ምቅላስ ከምዝግባእ ተሓቢሩ

እዚ ዝተሓበረ ˝ምንቕቓሕን ምጥንኻርን ንግዲ ንሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ˝ ብዝብል መራሒ ሓሳብ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ክልላዊ ዋዕላ ማሕበረሰብ ንግዲ እዩ።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ምክትል ፕሬዝደንትን ካቢኔ ሰክሪታርያት ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ከምዝበሉዎ፣ በቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ኢኮኖሚያዊ ስርዓት ንግዲ ኣብ ብጣዕሚ ፀገም ከም ዘሎን ሕጋዊ ስርዓት ዝበሃል ዝጠፍአሉ ኩነታት ብምህላዉ፣ እቲ ዘይሕጋዊ ስርዓት እዙይ ናብ ንቡር ንምምላስ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ብዝተዋደደ መልክዑ ክቃለሶ ከም ዝግባእን ገሊፆም።

ሃፍቲ ትግራይ ኣብቶም ዘይሕጋውያን ነጋዶን ደላሎንን ብምህላዉ ብቀሊሉ ንምፍታሕ ፈታኒ ምዃኑ ዘረድኡ እቶም ጀነራል፣ እንተኾነ ግና ኩሉ ቆሪፁ ብምልዓል ናብ ንቡር ንምምላስ ብዝተወደበ ኣገባብ እንተተረባሪቡ ውፅኢት ክመፅእ ከምዝኽእል ብምእማን ስምረት ፈጢርካ ኣንፃር እቶም ስርዓት ንግዲ ጠጠው ዝበሉ ኣካላት ቃልስና ከነሐይል ግቡእና እዩ ክብሉ ወሲኾም ኣብሪሆም።

ሓላፊ ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ትግራይ ኣይተ ገብረመስቀል ታረቀኝ ብወገኖም ዘይሕጋዊ ንግዲ ገዛኢ ባይታ ዝሓዘን ንግዲ ብሕግን ስርዓትን ከይከይድን ህዝብን መንግስትን ክረክቦ ዝግባእ እቶት ክረክብ ከም ዘይካኣለን፣ ሃፍቲ ትግራይ ብዘይሕጋዊ ንግዲ ካብ ውሽጢ ዓዲ ናብ ወፃኢ ዓዲ ዶብ ሰጊሩ ይኸይድ ኣሎ ኢሎም፡፡
ብፍላይ መሰረታዊ ሽቀጣት፣ ማኣድናት ፣እንስሳታት፣ገንዘብን ካልኦትን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብሄራዊ ድሕነንትና ኣብ ሓደጋ ብዘሳጥሕ መንገዲ ይካየድ ኣሎ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፣ ህዝብን መንግስትን ብዝተዋደደ መንገዲ ብምርብራብን ግቡእ ኣመራርሓ ብዝግባእ ብምሃብን ጠጠው ከነብሎ እንተዘይክኢልና ንስርዓትና ዝፈጥሮ ሓደጋ ብቀሊሉ ዝረአ ኣይኮነን ክብሉ ገሊፆም። እቲ ፀገም ኣዝዩ ረዚን ምዃኑ ክንረዳእ ኣለና፤ እቲ ገጢሙና ዘሎ ፀገም ብማሕበረሰብ ንግዲ ወይ ብሓደ ሴክተር ጥራሕ ዝፍታሕ ስለዘይኮነ ምስ መድረግቲ ኣካላት ተወዲብና ክንረባረብ ይግባእ ክብሉ ድማ ወሲኾም ሓቢሮም ።
ኣብ ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ኣይተ ሃፍቶም ፋንታሁን ብግደኦም፣ ኢንቨስትመንት ትግራይ ቅድሚ እቲ ኩናት ኣታውን ወፃእን ንግዲ ምችው ኩነታት ዝነበረሉን መቐለ ድማ ማእኸል ዕዳጋን ሸቐጣሸቐጥን ፍርያትን ኣብ ዘተባብዕ ብርኪ በፂሑ ከም ዝነበረን ኩሉ ነገር ስርዓት ሒዙ ይኸይድ ከም ዝነበረን ብምዝኽኻር፣ ኣብዚ ሓዚ እዋን ግና ሕጋውን ምዕሩይን ስርዓት ንግዲ ፈሪሱ ንህልውናና ሓደጋ ከም ዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ይኹንምበር ኣብ ትግራይ ዘሎ ዘይሕጋዊ ንግዲ ህዝቢ ተወዲቡ ስርዓት ዘኽብረሉን ምስ ዝምልከቶም ስጡም ርክብን ምድግጋፍን ተጠናኺሩ ዝቕፅለሉ ኩነታት ክፈጠርን፣ ክልላውን ከባብያውን ባዛርን ኢግዚቪሽንን ብስፍሓት ብምክያድ ኣብ ምንቅስቓስ ንግዲ ዝለዓለ ግደ ስለዘለዎም ኣብዚ መዳይ ምስራሕ ከምዘድልን ሓቢሮም፡፡
ስርዓት ንግዲ ናብ ንቡር ንምምላስ ዘኽእል መምርሕታትን ኣሰራርሓታትን ምትእትታው ፣ እቶም መምርሕታት ምስ ተበፃሓይነት ፣ምፍጣር ዕድል ስራሕን ምኽባር ሕግን ማእከል ዝገብሩን ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ንምፍታሕ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ምውሳድ፣ ዝተወደበ ማሕበረሰብ ንግዲ ምፍጣር ዝበሉን ስራሕቲ ምትግባር የድሊ ክብሉ እቶም ዳይሬክተር ኣረዲኦም።
ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ብግደኦም ብርክት ዝበሉ ሓሳባት ዘልዐሉ እንትኾን ካብኣቶም ቀሊጥፍና ናብ ሕጋዊ ስጉምቲ ክንኣቱ ኣለና፤ ኣብ ኬላታት ዘሎ ኣሰራርሓ ብውነ ክርአ ይግባእ፤ ንፁር ዝኾነ መምርሒ ክወፅእን ተግባራዊ ክግበርን፣ኣብ ምሕደራ ነዳዲ ስርዓትን ኣብ ዕደናን ዘሎ ኩነታት ብዝግባእ ክፍተሽ ኣለዎ ዝብሉን ካልኦትን ርኢቶታት ኣቕሪቦም እዮም፡፡

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
18 ሚያዝያ 2016 ዓሽም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons