10ይ ዓለም ለኸ መድረኽ መፅናዕቲ ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ን2ይ ግዘ ከም ዝሳለጥ ተሓቢሩ።
እዚ ዝተሓበረ ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ሎሚ 06 ጉንበት 2016 ዓ.ም ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብ ዝሃበሉ እንትኾን፣ ዋና ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዶክተር ዳኒኤል ተኽሉ ከምዝገለፅዎ፣ 10ይ ዓለም ለኸ መፅናዕቲ ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ 09ን 10ን ጉንበት 2016 ዓ.ም ን2ይ ግዘ ከምዝሳለጥ ገሊፆም።
ኣብቲ መድረኽ 20 ዝተፈላለዩ መፅናዕትታት ብኣርባዕቲኦም ቋንቋታት ትግራይ ማለት እውን ቋንቋታት ሳሆ፣ ኩናማ፣ ትግርኛን ግእዝን ኣብ ስነ-ልሳን፣ ስነ-ፅሑፍ፣ ፎክለር፣ ስነ-ቃላት መሰረት ገይሮም ብዝተፈላለዩ ምሁራት ከምዝቐርቡ እውን እቶም ሓላፊ ሓቢሮም።
ቋንቋ ግእዝ ኣብ ኣዝዩ ዝማዕበለ ብርኪ ስነ-ፅሑፍ በፂሑ ምንባሩ ዝሓበሩ ዶክተር ዳኒኤል፣ ሕዚ ከዓ ኣብ ሓደ እምነት ተንጠልጢሉ ኣሎ ዶ ሞተ ኣብ ዝበሃለሉ ግዘ ኣለና። እንተኾነ ግን ግእዝ ካብ ዝኾነ ይኹን ህዝቢ ንላዕሊ ምስ ህዝቢ ትግራይ ስጡም ብሄራዊ፣ ማሕበራዊ፣ ባህላዊ ርክብ ከምዘለዎ ብምግላፅ ናይ ቀደም ፅሑፋት ግእዝ ክንግንፅል ከለና ታሪኽና፣ መንነትነና፣ እምነትና፣ ባህልና፣ ሓድግታትናን መበቆላውያን ፍልጠታትናን እውን ኣብኡ ኢና ንረክብ። ብሓፈሻ ቋንቋ ግእዝ ብዙሕ ነገርና እዩ ሒዝዎም ዘሎ ክብሉ ኣብሪሆም።
ገድሊ ቅዱሳት ኮነ ሰማእታት ክንግንፅል እንከለና ሽዑ ዝነበሩ ማሕበረ ባህላዊ፣ ቁጠባውን ታሪኻውን ምንቅስቓሳት እነፅነዐሉ ዕድል ዝህበና እውን ስለዝኾነ ኣብ ገድሊ ቅዱሳትን ሰማእታትን መሰረት ዝገበሩ ብርክት ዝበሉ ትንታነታት ዝህቡ መፅናዕትታት ኣካል እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ኮይኖም ከምዝተዳለዉ ዶክተር ዳንኤል ኣረዲኦም።
ህዝቢ ትግራይ ቅድሚ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ኩነታት፣ ብሄራዊ ስምዒት ሕዚ ኣሎ ዶ? የለን? ባህሊ ምስ ስፖርት፣ ፖለቲካዊ ባህሊ ትግራይ፣ ባህልን ቁጠባ ትግራይ፣ ኣብ ቋንቋታት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዘሎ ርክብ፣ መበቆል፣ ከይዲ ስነ-ስርዓት መርዓ ብሄረሰብ ኩናማ ዝብሉን ካልኦትን እውን ኣብቲ መፅናዕቲ ክቐርቡ ትፅቢት ይግበር ክብሉ ዋና ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዶክተር ዳኒኤል ተኽሉ ገሊፆም።
10ይ ዓለም ለኸ መፅናዕቲ ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ቀዳማይ ዓውደ መፅናዕቱ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ኣሰላሲሉ ምንባሩ ይዝከር።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
06 ጉንበት 2016 ዓ/ም
መቐለ

