ከይዲ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ነጥብታት ካብ መግለፂ ምክትል ፕረዝደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ፦
 
★ ናይ ሓባር ትልሚ ኢና ንፍፅም ዘለና ፣ግጭት ናይ ምፍጣር ድሌየት የብልናን።
★ ኣብ ክሊ እቲ ስምምዕነት ኮይንና ተመዛበልትና ግድን ናብ መረበቶም ክምለሱ እዮም።
★ ሓባራዊ መተግበሪ ትልሚ ተዳልዩ እናተሰርሐ ፀኒሑ እዩ።
★ ብወገን ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተሰርሑ ተመዛበልቲ ድልው ናይ ምግባር፣ ምትዕርራይ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ እንትኾን እዚ ተወጊኑ እዩ።
★ ብፅሒት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ድማ ዘይሕጋዊ ምሕደራ ከፍረሱ፣ዘይሕጋዊ ዕጡቓት ዕጥቆም ምፍታሕ፣ተመዛበልቲ ንክምለሱ ምችው ኩነታትን ውሑስ ፀጥታ ምፍጣር፣ዘይሕጋውያን ሰፈርቲ ምምለስን እዮም።ኣብዚ ብግዜ ሰሌዳ ኣብ ምስራሕ ምድንጓያት ኣሎ።
★ ኣብ ፀለምቲ ዘይሕጋዊ ምምሕዳር ኣይፈረሰን፣ዘይሕጋዊ ዕጡቓት ዕጥቂ ኣየውረዱን።
★ምምላስ ተመዛበልቲ በቲ ዝተቐመጠ ግዜ ሰሌዳ ክኸይድ እዩ።
★እቲ ምስ ዕጥቑ ዝተመዛበለ ምስ ዕጥቑ እዩ ክምለስ።
★ ናይ ሎሚ ዘበን ክረምቲ ከይሓለፈ ንክምለሱ ኢና ንሰርሕ ዘለና።
★ ኣብ ደቡብን ምዕራብን ብሓባር ክሰርሑ ዝተጣየሹ ኦፕሬሽናል ኮሚቴ ኣይተራኸቡን።
★ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘሎ ምንቅስቃስ ደው ኢሉ እዩ ዘሎ።
 
11 ጉንበት 2016 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons