ሰብ ሞያ ሚድያን ኮሙዩኒኬሽንን ባህግን ውግንናን ህዝቢ ቀዳምነት ሂቦም ክሰርሑ ይግባእ _ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም
ሓርነት ካብ ውልቀ ይጅምር። ጋዜጠኛታት ድማ ዓርሶም ካብ ዝኾነ ግዳማዊ ውግንና ሓራ ብምግባር ቀዋሚ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅን ዝሐሸ ፅባሕ ንኽህሉን ክሰርሑ ይግባእ ክብሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ገሊፆም።
ኣብ መኸተ ጄኖሳይዳዊ ኵናት ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ኣብ ምብፃሕ ዕዙዝ ግደ ዝነበሮም ሚድያታት ትግራይ ሐዚ እውን ውግንነኦም ንሞያን ህዝብን ብምግባር ኣበርቲዖም ክሰርሑ ይግባእ ክብሉ እውን ወሲኾም ገሊፆም ኣብቲ ንሰብ ሞያ ሚድያን ኮሙዩኒኬሽንን ኣብ ዓድግራት ዝተውሃበ ስልጠና ሕውየት።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሰበኻ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓዲግራት ኣባ ኣብርሃ ሓጎስ ከምዝገለፅዎ ሰብ ሞያ ሚድያን ከሙዩኒኬሽንን ንህዝቢ ሚዛናዊ ሓቀኛን እዋናውን ሓበሬታ ኣብ ምብፃሕ ልዑል ግደ ስለ ዘለዎም ሕውየት ስነ ልቦና መሰረት ዝገበረ ስልጠና ምሃብ ኣገዳሲ እዩ ክብሉ ሓቢሮም።
እቲ ስልጠና ግደ ጋዜጠኛታት ኣብ ጉድኣት ስነ ልቦና ኣብ ዝበፅሖም ወገናት፣ምሕላው ሞራልን ምዕቃብ ሚስጥር ስነልቦናዊ ፀገም ዝበፅሖም ክፋላት ሕብረተሰብን፣ ብኵናትን ፀገምን ዝተሃሰየ ስነ ልቦና ከመይ ናብ ንቡር ይምለስ ዝብሉ ዛዕባታት ዘካተተ እዩ።
እዚ ዝተገለፀ ብምትሕብባር ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ፣ስራሕቲ ምልላይን ፕሮሞሽንን ባናን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓዲግራትን ንሰብ ሞያ ሚድያን ኮሙዩኒኬሽንን ትግራይ ሕውየት ስነ ልቦና ማእኸል ገይሩ ኣብ ከተማ ዓዲግራት እናተውሃበ ኣብ ዝርከብ ስልጠና እዩ።
እቲ ብሰለስቲኦም ወገናት ንሰብ ሞያ ሚድያን ኮሙዩኒኬሽንን ዝወሃብ ዘሎ ስልጠና ኣብ ቀዳማይ ዙር 50 ሰብ ሞያ ዘሰልጠነ እንትኸውን ኣብ ካልኣይ ዙር ድማ ን50 ሰብ ሞያ ስልጠና ይወሃብ ከምዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ከም ጉዳያት ከሙዩኒኬሽን ዞባ ምብራቕ ትግራይ
21 ጉንበት 2016ዓ/ም
መቐለ

