ብሕማም ፌስቱላ ዝተጠቕዓ ደቂ ኣንስትዮ ግቡእ ግልጋሎት ሕክምና ንኽረኽባ ፣ኩሉ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ፃውዒት ቀሪቡ።
 
እዚ ፃውዒት ዝቐረበ ሰብ ሞያ ጥዕና ፣ደቂ ኣንስትዮ ኣምባሳደራት ምክልኻል ሕማም ፌስቱላን መድረግቲ ኣካላትን ተሳተፍቲ ኣብ ዝኾንሉ ፣ ዋዕላ ምክልኻል ሕማም ፌስቱላ ወረዳ ሓውዜን እዩ።
 
እቲ ዋዕላ ብ”ሂሊንግ ሃንድስ ኦፍ ጀይ” ዝተብሃለ ትካል ኣቢሉ ዝተዳለወ ኮይኑ ፣ሕማም ፌስቱላ መበገሲኡ ፣ ሳዕቤኑ ፣ መከላኸሊኡን ሕዚ ዘለዎ ብርኪ ብዕምቈት ተረዲእኻን ሓደ ኣረዳድኣ ሒዝካን ናብ ስራሕ ብምእታው ፣ውፅኢታዊ ስራሕ ንምስራሕ ዝዓለመ ዋዕላ ምዃኑ ፣ፕሮጀክት ኦፊሰር እቲ ትካል ኣይተ ፍስሃ ሓጎስ ሓቢሮም።
ስለ ዝኾነ ደቂ ኣንስትዮ ኣምባሳደራት ምክልኻል ሕማም ፌስቱላ ብምፍጣር ፣በቲ ሕማም ተጠቒዐን ካብ ማሕበራዊ ጉዳያት ተገሊለን ዝርከባ ግዳያት ኣታኣላሊሽካ ብንፁር ብምሓዝ ፣ ግቡእ ግልጋሎት ሕክምና ክረኽባን ፣ካብ ዝበፅሐን ማሕበራውን ስነ – ኣእምሮኣውን ቅልውላው ድሒነን ዝተረጋግዐ ሂወት ንክመርሓን ፣ ንቐፃሊ ድማ ኩለን ኣዴታት ኣብ ትካላት ጥዕና ጥራሕ ንክወልዳ ንክስራሕ ፣ንተሳተፍቲ እቲ ዋዕላን ንመላእ ማሕበረሰብን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጥዕና ወረዳ ሓውዜን ዶክተር ኣስመላሽ ኣለነ ብወገኖም ፣ብሰንኪ ምዝባዕ ስርዓት ጥዕና ትግራይ ፣ብሕማም ፌስቱላን ካልኦት ሕማማትን ህዝቢ ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቑ ከም ዘሎ ብምዝኽኻር ፣ጥዕና ሕብረተሰብ ውሑስ ንምግባር ብፍላይ ድማ ሕማም ፌስቱላ ንምዕጋትን ንምክልኻልን ፣ ተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ኣምባሳደራት ኮይኖም ንክሰርሑ ኣገንዚቦም።
ተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ድማ ፣ሕማም ፌስቱላ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብብርኪ ትግራይ ኣብ ምንታይ ከም ዝርከብን እንታይ ዓይነት ስራሕ ክሰርሑ ከም ዘለዎምን ካብቲ ዝቐረበ ዳህሳሳዊ ፅሑፍ ግንዛበ ከም ዝጨበጡ ብምግላፅ ፣ዘለው ፀገማት ብምፍታሽን ህዝቢ ብምልዕዓልን ሕማም ፌስቱላ ንምዕጋትን ንምክልኻልን ኣበርቲዖም ከም ዝሰርሑ ሓቢሮም ክብል ሓበሬታን ርክብን ወረዳ ሓውዜን ንቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ፀብፂቡ።
 
28 ጉንበት 2016 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons