ሕብረተሰብ ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ክረባረብ ከምዝግባእ ተገሊፁ።
 
እዚ ዝተገለፀ ዘፈር መንግስታዊ ግልጋሎት ከተማ መቐለ ምስ ኣመራርሓ ከተማን ክፍላተ ከተማ፣ ሓፋሽ ማሕበራት፣ ኣማሓደርቲ ጣብያ፣ ሰብ ሞያ እቲ ዓውድን ካልኦትን ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2016 ዓ/ም ንግድን እቶትን፣ ትልሚ ክረምታዊ መደባትን ቀፀልቲ ስራሕትን ኣመልኪቱ ኣብ ዘሳለጦ መድረኽ እዩ።
ኣብቲ እዋን ተረኺቦም መኽፈቲ መደረ ዘሰምዑ ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ኤልያስ ካሕሳይ፣ ኣብዚ ዓመት ዝእከብ ግብሪ ፍትሓውን ተኣማንን ንክኾን ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ኣብ መደባት እቶት፣ ንግድን ካልኦትን ሓገዝቲ ንክኾኑ ፀዊዖም።
 
ከተማና እትጠልቦም ዓበይቲ ፕሮጀኽትታት ልምዓት ንምምላእ ግብሪ ብኣግባቡ ምእካብ ወሳኒ እዩ ዝበሉ ኣይተ ኤልያስ ነዚ ዝምጥን ስራሕ ንምዕማም ኣብ ክትትልን ቑፅፅርን ዘይሕጋዊ ንግድን ዘመናዊ ኣሰራርሓ ንምእታው ትኹረት ከም ዝግበርን ሕብረተሰብ ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ኣብ ዳግመ ህንፀት ከተማና ክረባረብ ኣለና ክብሉ ፀዊዖም።
ምክትል ሓላፊ ዘፈር መንግስታዊ ግልጋሎት ከተማ መቐለ ኣይተ ሰለሙን ትኩእ ብወገኖም ኣብ 2016 ዓ/ም 2,380,000,000 ብር መንግስታዊ እቶት ንምእካብ ትልሚ ዝተትሓዘ ኮይኑ ዛጊድ 2,408,539,809 ብር ከም ዝተአከበ ገሊፆም። ብኻልእ መዳይ ን19 ሽሕን 505 ነጋዶ ሓዱሽ ንግዲ ፍቓድ ንምሃብ ተተሊሙ ን20 ሽሕን 86 ነጋዶ ንግዲ ፍቓድ ዝተዉሃበ እንትኸዉን 4 ሽሕን 786 ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባር ዝተዋፈሩ ነጋዶ ድማ ትካሎም ከም ዝተዓሸገ ሓቢሮም።
ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ብወገኖም እቶት ከተማና ንምዕባይ ካብኦም ዘድሊ ኩሉ ንምፍፃም ድልዋት ከምዝኾኑ ገሊፆም ክብል ሓበሬታን ርክብን ከተማ መቐለ ፀብፂቡ ።
 
18 ሰነ 2016 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons