ኣብ ምክልኻል ሕማም መገረም ብዝተዋደደ መልክዕ ይስራሕ ከምዘሎ ተፈሊጡ ።
ቤት ፅሕፈት ጥዕና ወረዳ ሕንጣሎ ፣ኣብቲ ወረዳ ዝተርኣየ ሕማም መገረም መሰረት ብምግባር፣ ኣብታ ወረዳ ፍሉይ ስሙ ጣብያ ፍቕራለም ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ብሕማም መገረም ዝተለኸፈ ብዕራይ ብምብላዕ 21 ወገናት ከምዝተለኸፉን ካብዚኦም 4 ሰባት ግዳይ ሞት ከምዝኾኑን ምስ ቤት ፅሕፈትና ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ገሊፁ ።
ኣብቲ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ምክልኻል ሕማማት ኣይተ ገብረህይወት ወልደገብሪኤል ከምዝበሉዎ ፣እቲ ሕማም ኣብቲ ወረዳ ምስተርኣየ ኣብታ ጣብያ ንልዕሊ 540 ነበርቲ ንተኸታታሊ ሸውዓተ መዓልቲ ዝውሰድ መከላኸሊ መድሓኒት ከምዝተዓደለን ንልዕሊ 1860 ዝኾና እንሰሳት መከላኸሊ ክታበት ከምዝተውሃበን ብሓፈሻ ኣብ ምክልኻል ሕማም መገረም ብዝተዋደደ መልክዕ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።
ኣብ ሕዚ ኣብቲ ከባቢ ዝተረጋግዐ ኩነታት ዋላ እንተሃለወ ናብ ጎረባብቲ ጣብያታት ከይስፋሕፋሕ ዝተዋደደ ስራሕቲ ምስራሕ ከምዘድሊ ኣረዲኦም። ኣብ ስራሕቲ ምክልኻል ብመዳይ መንግስቲ ክሳብ ሕዚ ዝሓሹ ሓገዛት ከምዘለው ፣ብወረዳ ብርኪ ድማ ኣብ ኩለን ጣብያታት ንስራሕቲ ቅድመ ምክልኻል ሰብ ሞያ ተዋፊሮም ከምዘለው ዝሓበሩ ኣይተ ገብረህይወት፣ሕብረተሰብ መንበሪ እንሰሳት ካብ ሰብ ዝነብረሉ ምፍላይ፣ ጥዕንኡ ዘይተሓለወን ዘይተመርመረ እንሰሳ ንሕርዲ ዘይምጥቃም ፣እቲ ሕማም ብቐሊሉ ስለዘይመውት ንሕማም መገረም ኾነ ኻልኦት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብቐፃልነት ምጥንቃቕ ከምዝሓትት ኣብሪሆም።
እቲ ሕማም ናብ ጎረባብቲ ከይስፋሕፋሕ ኣብ ከተማ ዓዲጉዶም ወፍሪ ክታበት መገረም ይሳለጥ ከምዘሎን ዛጊድ ንልዕሊ 1200 ዝኾና እንስሳት ክታበት ከምዝተውሃበን ኣብ ቅድመ ምክልኻል እውን ኣስተምህሮ ይወሃብ ከምዘሎን ድማ ሓላፊ ገጠር ልምዓትን በዓል ሞያ እንስሳት ሕክምና ከተማ ዓድጉደም ኣይተ ብርሃኑ ከበደ ሓቢሮም ።
እቲ ሕማም ኣብ ወረዳ ሕንጣሎ ብመልክዕ ለበዳ ምስተርኣየ ብጥምረት ሓደ ጥዕና ትግራይ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብ ዝተውሃበሉ እዋን ሕማም መገረም ኣብ ሓመድ ንንውሕ ዝበሉ ዓመታት ንከይመውት ናይ ባዕሉ መሽፈኒ ገይሩ ከም ዝፀንሕ፣ ብሓዊ ይኹን ብኬሚካል ክጠፍእ ከም ዘይኽእል፣ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ እውን ይረአ ከም ዘሎን እዙይ ተገንዚቡ ድማ ሕብረተስብ ልዑል ጥንቃቐ ክገብር ከም ዘለዎ ምሕባሩ ይዝከር ።
ብተወሳኺ ዝኾነ ይኹን ምልክት እንትርአ ቀልጢፍካ ምስ በዓል ምያ ምምኻር ፣መረዳእታ ብኣግባቡ ንዝምልከቶ ኣካል ምምሕልላፍን ናብ ጣብያ ጥዕና ምኻድ ዝመሳሰሉን ጥንቃቐታት ምግባር ከምዘድሊ ኣብቲ መግለፂ ምሕባሩ ይፍለጥ ።
18 ሰነ 2016 ዓ.ም
መቐለ

