ስራሕቲ ሓምለዋይ ልምዓት ተመሊሱ ንክጥጥዕ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ክረባረበሉ ኣለዎ_ ኣይተ ጌታቸው ረዳ
ፕረዝዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ነዚ ዝበሉ ኣብ ቐፅሪ ዩኒቨርስቲ ራያ ተረኺቦም ሎሚ ዓመት ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝሳለጥ ተኸላ ፈልሲ እንተጀምሩ እዩ።
ኣብ ኩሎም ከባቢታት ትግራይ በቲ ኩናት ምኽንያት ዓንዮም ዝነበሩ ጣብያታት ፈልሲ ስራሕ ክጅምሩ ስለዝተገበረ ኩሉ ህዝብና ብፍላይ ድማ መናእሰይና እቲ ቅድሚ ሐዚ ትግራይ ትፍለጠሉ ዝነበረት ስራሕቲ ሓምለዋይ ልምዓት ሕዚ እውን ኣጠናኺርና ንክንቕፅለሉ እጃምኩም ንክተበርክቱ በዚ ኣጋጣሚ ፃውዕት ከቕርብ ይደሊ ኢሎም ከም ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ደቡብ ትግራይ።
25 ሰነ 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons