ግብሪ ምእካብ ብዕሊ ተጀሚሩ
“ግብሪ ንሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሎሚ ባሕቲ ሓምለ 2016 ዓ.ም ብደረጃ ክልል ስነ ስርዓት ዕላዊነት ምጅማር ምእካብ ግብሪ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብ ክፍለከተማ ቀዳማይ ወያነ ዝተረኸቡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኩለ መዳያዊ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ትግራይ ንምጥንኻር ብትኹረት ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም ፡፡
ዳግመ ሕውየት ትግራይ ንምርግጋፅ ናይ ግብሪ እቶትና ምዕባይ ወሳኒ ምኳኑ ዝገለፁ ጌታቸው ረዳ ኩለ መዳያዊ ቁጠባዊ ምንቅስቃስ ትግራይ ንምጥንኻር ድማ ዝተዋደደ ፃዕሪ የድሊ ኢሎም፡፡
ዋና ኣማሓዳሪ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ኣይተ መንበሩ ንጉሰ ግብሪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 530 ሚልየን ብር ከም ዝተኣከበ ዝገለፁ ኮይኖም ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዝበለፀ ንምእካብ ምድላዋት ከም ዝተወገነ ኣብሪሆም ከም ሓበሬታ ኤመሓት።
 
01 ሓምለ 2016 ዓ/ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons