ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብ መረበቶም ንምምላስ ንሰርሕ ኣለና_ ጀነራል ታደሰ ወረደ
 
ምክትል ፕሬዚዳንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ህልው እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቶም ሎሚ 06 ሓምለ 2016 ዓ.ም ንማዕኸናት መራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ መብርሂ ይህቡ ኣብ ዘለዉ ከምዝበሉዎ ፣ተመዛበልቲ ድሕንነቶም ብዝተሓለወ መንገዲ ናብ መረበቶም ናይ ምምላስ ስራሕ ቀዳምነት ተዋሂብዎ ይስረሐሉ ኣሎ፤ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ እውን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብ መረበቶም ንምምላስ ንሰርሕ ኣለና ኢሎም።
ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ 30 ሰነ ናብ መረበቶም ንምምላስ ተታሒዙ ዝነበረ ሓበራዊ መደብ ምድንጓዩ ብወገን ትግራይ ዝተፈጠረ ፀገም ከምዘይኮነ ዝገለፁ ጀነራል ታደሰ ወረደ ፣ እቲ ምዝንጋዕ ከምዝግምገም ብምሕባር፤ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ድሕንነት ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ብዘውሕስ መንገዲ ናብ መረበቶም ንምምላስ ንሰርሕ ኣለና ክብሉ ኣብሪሆም።
ኣብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ኣጋጢሞሙዎም ዘለው ኩለ መዳያዊ ፀገማትን ሓደጋ ፀጥታን ብምፍታሕ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብ መረበቶም ንምምላስ እውን እናተሰርሐ ከም ዝርከብ ገሊፆም።
ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ከመይ ከም ዝምለሱ ካብ ራያን ፀለምትን ዝተረኸበ ተሞክሮ መሰረት ብምግባር ከምዝፍፀም ዝሓበሩ ጀነራል ታደሰ ወረደ ፤ምምላስ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ደው ክብል ከምዘይኽእል ድማ ኣረዲኦም እዮም።
ካብ ካልኦት ከባብታት ናብ ምዕራብ ትግራይ ዝኣተው ሰፈርቲ ኮነ ዕጡቓት ክወፁ ከምዝስራሕን ቅድሚ 2013 ዓ/ም ዕጥቂ ዝነበሮም ተመዛበልቲ ትግራይ ምስ ዕጥቆም ናብ መረበቶም ከምዝምለሱ፣ ከጋጥም ዝኽእል ዕንቅፋታት ብምፍታሕ ድሕንነት ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ውሑስ ብዝኾነ መንገዲ ከይዲ ምምላስ ከምዝፍፀምን ኣገንዚቦም እዮም ጀነራል ታደሰ ወረደ።
ኣብ ምዕራብ ትግራይ ቁጠባን በዝሒ ህዝብን ንምዕብላል ዝዓለመ ሰፈራ ከምዝተኻየደ ዝገለፁ ጀነራል ታደሰ፣ብሰፈራ ናብ ምዕራብ ትግራይ ዝመፁ ዕጡቓት ከምዝወፁን ኣብ ቀረባ ናብ ፀለምቲ ዝተመለሱ ተመዛበልቲ ድሕንነቶም ንምሕላውን ዝነበረ ዘይሕጋዊ ምሕደራን መሓውራቱን ካብቲ ከባቢ ንምውፃእ ምስ ሓይሊ ምክልኻል ይስራሕ ከምዘሎን ድማ ኣዘኻኺሮም እዮም።
 
06 ሓምለ 2016 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons