ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ዘድሃበ መግለፂተዋሂቡ።
 
ሎሚ 15 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ኣብ ስራሕቲ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ፣ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይን ኣብ ምምላስ ተመዛበልቲ ዘሎ ምዕባለን ኣድሂቡ ብጀነራል ታደሰ ወረደ ( ወዲ ወረደ) ንጋዜጠኛታት ተዋሂቡ።
 
ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ መግለፂኦም ከምዝበልዎ፣ ኣብ ትግራይ ዝተሳለጡ ዓበይቲ ፖለቲካዊ መድረኻት ብሰላም ተዛዚሞም እዮም። ኣብተን ዝነበራ ዓበይቲ መድረኻት ፀገም ፀጥታ ከየጋጥም ሓላፍነቶም ብኣግባቡ ንዝፈፀሙ ኣካላት ፀጥታ ክሞስገኑ ኣለዎም ዝበሉ ጀነራል ታደሰ፣ በዓል ኣሸንዳ እውን ብሰላም ንክሓልፍ ምድላው ከምዝተወገነ ገሊፆም።
 
ሓይልታት ፀጥታ ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ውግንና ናፃ ኮይኖም ንድሕንነት ህዝቢ ደው ከም ዝበሉን ከምዝብሉን ብምግላፅ ፀጥታ ንፖለቲካዊ መስርሕ ፖለቲካ ድማ ንፀጥታዊ መስርሕ ምችው ባይታ ክፈጥሩ ይግባእ ኢሎም።
ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ናብ ስግኣት ፀጥታ ከይቕየር ብትኹረት ንሰርሕ ኣለና ዝበሉ ጀነራል ታደሰ፣ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ከም ንቡር ምቕባል ፅቡቕ ጅማሮ ከምዝኾነ ሓቢሮም።ኣፈላላይ ሓሳብ ዝፈጠሩ ወገናት እውን ልቢ ኣዕብዮም ኣፈላላዮም ብፖለቲካዊ ኣገባብ ክፈትሑ ፀዊዖም።
ምስ ምምላስ ተመዛበልቲ ተዛሚዱ ድማ ኣብተን ተመዛበልቲ ዝተመለሱለን ከባቢታት ምችው ፀጥታዊ ምንቅስቓስ ብኣግባቡ ኣብ ምፍፃም ክፍተት ኣሎ። እዚ ድማ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሓይልታት ተዋዲዶም ይሰርሑሉ ስለዘይነበሩን ምክልኻል ሃገር ነዚ ኣብ ምክትታል ስለ ዝዘንገዐ እዩ ዝበሉ ጀነራል ታደሰ፣ እቲ ተመላሲ ብነፃነት ክንቀሳቐስ ኣብ ምግባር ዘመሓድሮ ክመርፅን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሓላፍነቱ ክፍፅምን ፀዊዖም።
 
15 ነሓሰ 2016 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons