ኣብ ከተማ ዓድግራት ይሳለጥ ኣብ ዘሎ ህዝባዊ ምኽክር ካብ ሕብረተሰብ ዓዲግራትን ከባቢኣን ንፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ካብ ዝተልዓሉ ሕቶታትን ሪኢቶታትን፦
~ሐዚ እውን ህዝቢ ትግራይ ንመስዋእቲ ድልው ክኾን ኣይንፈቅድን።
~ሰላም ኣብ ዝዘርጉ ኣካላት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ይግባእ።
~ሰፊሕ ስግኣት ፀጥታ ኣለና ክስተኻኸል ይግባእ።
~ናይ ማይ ፀገም ስለዘሎ ግድብ ምድማር ይሰርሕልና።
~ንተመዛበልቲ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ማዕረ ሽፋን ሚድያ ዘይወሃብ ንምንታይ?
~ምፍኽኻር የጥፍእ እምበር ኣየዕብን።ብዝሰልጠነ ፖለቲካዊ ልዝብ ይፈታሕ።
~ፅልኢ መኻን እያ ሰላም ግን ወላድ እያ ፤ስለዚ ንሰላም ስርሑ።
~ዓበይቲ ዓዲ ይኣክል ኵናት ይኣክል ፅልኢ ክብሉ ይግባእ።
~ንስልጣን ሸበድበድ ንህዝቢ ትግራይ መምከኒ እዩ።
~እቲ ኣብ ኵናት ዕሰል ዝብሃል ዝነበረ መንእሰይ ሎሚ ኣብ ሰላምን ልምዓትን ክዓስል ክስራሕ ኣለዎ።
~መዕርፎ ነፈርቲ ይሰርሐልና ።
~ስድራ ስውኣት ከም ሕብረተሰብ ከይግልገል ዝሰርሑ ኣካላት ኣለዉ።
~ብኩባያ እናሸመትና ዘዕበናዮም ደቅና ተሰዊኦም ክርስዑ ኣይግባእን።
~ናብ ህውከትን ኵናትን ዝመልሱ መራሕቲ ይተኣለዩልና። መንግስቲ እውን ስርዓት የኽብር።
~ከባቢኻ ምልማዕ እምበር ከባቢ መሰረት ዝገበረ ፖለቲካ ኣየድልን።
~ኣነ እየ ዝፈልጠልካ ምባል ይኣክል።
~ዝተፈለየ ሓሳብ ሒዙ ንዝመፀ ሰብ ባንዳ፣ ኳዅቶ፣ጉርዲን ካልኦት ሽማሽምን ምሃብ ከብቅዕ ኣለዎ።
~ናብ ከባቢ ምሽጓጥ ሓድነት ህዝቢ የዕኑ እምበር ሓድነት ኣየጠናኽርን ክስርሐሉ ይግባእ።
~ኣብ ላዕሊ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ክሳዕ ቀበሌ ክወርድ ኣለዎ ምትዕርራይ እውን ክግበር ኣለዎ።
~ከተማና ከተማ ዓዲግራት ብዓቕሚ ዘለዎ መሪሕነት ይመራሕ
~ዝተመዛበለ ሕብረተሰብ ኢሮብ ፣ዛላኣንበሳ፣ጉሎመኸዳ፣ምዕራብ ትግራይ ናብ መረበቱ ይመለስ።
~ህዝብና ካብ ኔትዎርክ ወፃኢ ይመራሕ።
~ሰናይ ምሕደራ ይዕሰል ኣብ ዞባና ፀገም ኣሎ ፤ዝብሉ ከምዝቐረቡ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ምብራቕ ትግራይ ካብቲ መድረኽ ልኢኹልና።
28 ነሓሰ 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons