ኣብ 2017 ዓ/ም ብልዕሊ 8 ነጥብ 4 ቢልዮን ብር ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ከም ዝህነፁ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ።
ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብ 2017 ዓ/ም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ከተማ ብልዕሊ 8 ነጥብ 4 ቢልዮን ብር ዝህነፁ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ፣ መሰረት ብምግባር ሎሚ 23 መስከረም 2017 ዓ/ም ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ከተማ መቐለ ዘትዩ።
ከም ከተማ መቐለ ኣብ 2017 ዓ/ ብዋናነት ብሲኣይፒ ትኹረት ዝተዉሃቦም መደባት ህንፀት ኣብያተ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ማይ፣ መብራህቲ፣ ዝተፈላለዩ መንገድታት፣ ተፋሰሳት፣ ምንፃፍ ፅሩብ እምኒ ፣ ፀፀር መንገዲ፣ ድልድላትን ካልኦትን ማእከል ዝገበረ ከም ዝኾነ ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ይትባረክ ኣምሃ ገሊፆም።
ኩሎም ዝተትሓዙ ፕሮጀክትታት ህዝቢ በቢ ክፍለ ከተምኡ ብዝግባእ ርእይቶ ሂብሉን ቀዳምነት ዝሃቦምን ማእከል ዝገበረ ከም ዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ይትባረክ ኣምሃ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝሓሸ ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር መደብ ከም ዝተትሓዘ ገሊፆም።
ሕድሕድ ካፒታል ፕሮጀክት ብፅሬትን ኣብ እዋኑን ክዛዘም ህዝቢ ብዝግባእ ክከታተል ዝፀዉዑ ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ይትባረክ ኣምሃ፣ ህዝቢ ቀዳምነት ካብ ዝሃቦም ጠለባት ወፃኢ ከም ዘይስራሕ ብምግላፅ ፣ እዚ መደብ ካብ 2016 ዓ/ም ዝዞሩ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት’ውን ዘካተተ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ኤልያስ ካሕሳይ ብወገኖም ብቀዳምነት ካብ ገፀር ናብ ከተማ ዝኣተዋ ጣብያታት ብፍላይ ጉዳይ ሰፈር ልሞዓት ፕላን (ኤልዲፒ)፣ ፀፀር መንገዲ፣ ማይ፣ መብራህቲ፣ ምንፃፍ ፅሩብ እምኒ ፣ ፅገና ኣብያተ ትምህርትን ትኹረት ብምሃብ እናተሰርሐ ከም ዝርከብ ተዛሪቦም።
ኣብ ማሕበራዊ ግልጋሎት ጠለብን ቀረብን ክመጣጠን ኣይከኣለን ዝበሉ ኣይተ ኤልያስ፣ ነዚ ብዉሱን መልክዑ ንምፍታሕ ኣብ ክፍለ ከተማታት ዓዲ ሓቅን ሓድነትን ክልተ ኣብያተ ትምህርቲ ንምስራሕ መደብ ከምዝተትሓዘ ገሊፆም።
ብመዳይ ጥዕና ኣብ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነን ሰሜንን ክልተ መባእታዊ ሆስፒታል ንምስራሕ መደብ ከም ዘሎ ዘረድኡ ኣይተ ኤልያስ ፣ ፀገም ማእከላት መናእሰይ ብዝምልከት ንኩሉ ከማእኽል ብዝኽእል እንዳ ፀባ ብዝሓሸ መልክዕ ከም ዝስራሕ ምምሕዳር ክፍለ ከተማታት ካብ ክራይ ንምዉፃእ ጅማሮ ዘሎ እንትኸዉን ኣብዚ ዓመት ንክልተ ክፍለ ከተማታት ህንፃ ንምስራሕ መደብ ከም ዘሎ ጠቒሶም።
ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ብወገኖም ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ክሳብ ላዕሊ ከምዚ ዓይነት መድረኽ ምፍጣሩ ዝነኣድ ኮይኑ ህዝቢ ቀዳምነት ዝሃቦም ጠለባት ልምዓት ትኹረት ሂብካ ምስራሕ ከም ዘድሊ ገሊፆም። ብፍላይ ፀገም ማይ ከተማ መቐለ፣ ጉዳይ ሰፈር ልምዓት ፕላን፣ መብራህቲ፣ ዝርገሐ ትምህርትን ጥዕናን ብፍላይ ኣብ 70 ካሬ፣ ጉዳይ ተፋሰሳት፣ ማሕበራዊ ግልጋሎት ኣብ ምምጥጣን፣ ምእኹል ማእከላት ዕዳጋ እንስሳ፣ ፅሬት ከተማና፣ ማእከላት መዛናግዒ መናእሰይ፣ ቦታ ንትካላት እምነት፣ ምምሕዳር ክፍለ ከተማታት ካብ ክራይ ዝወፃሉ መደብን ካልኦትን ትኹረት ክወሃቦም ኣተሓሳሲቦም ክብል ሓበሬታን ርክብን ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈትና ከም ዝፀብፀቦ።
23 መስከረም 2017 ዓ/ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons