ብኩታ ገጠም ይለምዕ ኣብ ዘሎ ዝራእቲ ዑደት ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ እንዳ መኾኒ ጣብያ መኻን ቁሸት ምስረታ ናብ ሓረስቶት ተኣታቲዩ ብኩታ ገጠም (ብክላስተር ) ይለምዕ ኣብ ዘሎ ናይ ስርናይ፣ ዝራእቲ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት በፅሕዎ ዘሎ ብርኪ ዕብየት ንምዕዛብን ናብ ሓረስቶት ተሞክሮ ንምሕላፍን ዓሊሙ ሎሚ 24 መስከረም 2017 ዓ.ም ዑደት ይሳለጥ ኣሎ ።
ኣብቲ ዑደት ንዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ሓዊሱ ካብ ዞባን ወረዳ እንዳ መኾኒን ዝተውፃእፅኡ ኣመራርሓ ፣ ሰብ ሞያ ሕርሻን ሓረስቶትን ተረኺቦም ክብል ዝሓበረልና ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ደቡብ ትግራይ እዩ።
24 መስከረም 2017 ዓ.ም
መቐለ

