ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ትካል ሎሚኖስ ፈንድ ብምትሕብባር ኣብ ወረዳ እንደርታ ኣብ ሸውዓተ ኣብያተ ትምህርቲ ውዕሊ እናተሓደሰ ቀፃልነት ዝህልዎ ፕሮጀክት 2ይ ዕድል ትምህርቲ 28 መስከረም 2017 ዓ/ም ዕላዊ ንምግባር ምስ መድረግቲ ኣካላት ይዝቲ ኣሎ።
ዳይሬክተር ትምህርትን ስልጠናን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ትርፍነህ ይመር ከምዝገለፅዎ ኣብ ወረዳ እንደርታ ልዕሊ 20 ሽሕ ህፃናት ብዝተፈላለዩ ፀገማት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሒቖም ከምዝርከቡ፣ ካብ ቤት ፅሕፈት እታ ወረዳ ካብ ዝበፅሐና ሰዓት ጀሚሩ እዞም ህፃውንቲ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንምእታው ትልሚ ብምሓዝ እናተንቀሳቐስና ፀኒሕና ኢሎም።
ሕዚ እዞም ህፃውንቲ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንምእታው ምስ ምምሕዳር እታ ወረዳን ካልኦት መድረግቲ ኣካላትን ብምትሕግጋዝ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ብምጥንኻርን ሕዚ ዝጅመሩ ስራሕቲ ድማ ብምውሳኽ ፀገም ተምሃሮ ንምፍታሕ ከም ሰርሕሑ ሓቢሮም።
ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ እንደርታ ኣይተ ብርሃነ ዮውሃንስ ብወገኖም ኣብታ ወረዳ ዘሎ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምጥንኻር ምስ ትካል ማሕበር ልምዓት ትግራይን ትካል ሎሚኖስ ፈንድ ብምትሕብባር ዕድሚኦም ዝሓለፎም ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክኣትው ኣብ ምግባር ግደ መድረግቲ ኣካላት ዝለዓለ ምዃኑ ሓቢሮም።
ካብ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ መምህር ኣርኣያ ኣማረ “ስራሕቲ ትምህርቲ ብመንግስቲ ጥራሕ ዝፍፀም ኣይኮነን፤ ምስ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ዝግበር ሓገዝ ክጠናኸር ይግባእ ፤ኮይኑ ግን ምድንጓያት ስለዘሎ ቀዲሙ ክፍፀም ኣለዎ” ኢሎም።
ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ እቲ ዝለዓለ ውፅኢት ዘምፅኡ ተምሃሮ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ ዘምህሮም ምዃኑ ብምግላፅ ወረዳ እንደርታ እውን ናይዚ ዕድል ተጠቃሚ ምዃኑ ታሕጓስ ከምዝተሰመዖም ተሳተፍቲ ገሊፆም።
28 መስከረም 2017 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons