መድረኽ ምኽክር ቁልፊ መድረግቲ ኣካላት፣ ንስሉጥን ውፅኢታውን ዳግመ ፅንበራ ተመለስቲ ሰራዊት ትግራይ
ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ምስ ዩ.ኤስ.ኣይ.ድ /ኢኤስፒ/ ዝተብሃለ ትካል ብምትሕብባር፣ ኣብ ከተማ ማይጨው ፣መድረኽ ምኽክር ቁልፊ መድረግቲ ኣካላት፣ንስሉጥን ውፅኢታውን ዳግመ ፅንበራ ተመለስቲ ሰራዊት ትግራይ ብዝብል መራሒ ሓሳብ እንተሳልጥ ፣ተመለስቲ ሰራዊት ትግራይ ናብ ማሕበረሰብ እንትፅንበሩ መነባብሮኦም ኣብ ዱልዱል ሰረት ንምንባር ኣብ ዝግበር ርብርብ እጃሙ ንከወፊ ዓሊሙ ዝተፈላለዩ መደባት እናወገነ ከም ዝርከብን ገሊፁ።
መተሓባበሪ እቲ ትካል ኣይተ ወልዳይ ኣብርሃ ንመድ ረግቲ ኣካላትኣብ ዙርያ ስራሕ ዕድል ፈጠራን ግልጋሎት ኩነታት ስነ ልቦናዊ ማህሰይትን ፣ንተመለስቲ ብግዚያዊን ዘላቂን ኹለመዳያዊ መነባብሮኦም ንምምሕያሽ ዝረብሑ ከባቢያዊ ፀጋታት ኣለሊኻ ናብ ረብሓ ምዉዓልን፣መስርሓት ኣብ ምዝርጋሕ፣ሕጋዊ ማዕቀፋትን ፕሮግራማትን ኣብ ምቕራፅ፣ምትግባርን ምክትታልን ወሳናይ ተራ ዘለዎ ኣመራርሓ፣መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ብምእማን ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሃፍተ ገነት ተጠቀምቲ ዝኾኑሉን ምስ ዓለም ለኻዊ ተሞክሮታት ብምትሕሓዝ ስልጠና ከምዝሃቡ ይገልፁ።
ካብ ተሳተፍቲ ብርክት ዝበሉ ሓሳባትን ሪኢቶታትን ዝተልዓሉ ኮይኖም ብፍላይ ኹሉ ዝምልኸቶ ኣካል ኣብ ዳግመ ፅንበራ ተመለስቲ ሰራዊት ዓብይ ዉራይ ጌይሩ ክሰርሓሉ ከም ዝግባእን ከምታ ኣብ መኸተ ዘርአናያ ሓድነት እዞም ሂወቶምን ኣካሎምን ዘወፈዩ ጀጋኑ ኣሕዋትና ናብ ንቡር ሂወቶም ተመሊሶም ምስ ሕብረተሰቦም ተወዲቦም ተጠቀምቲ ዝኾንሉን ኣብ ዳግመ ሕዉየት ትግራይ ርኡይ ለዉጢ ከምፅኡ ሓገዝቲ ክንኾን ይግባእ ክብሉ ሓሳቦም ገሊፆም፡፡
ኣብቲ ዘተ ካብቲ ከተማ ዝመፁን ዝምልከቶም ኣካላትን ዝተፈላለዩ ምኽክር እናሳለጠ ከም ዝፀንሐን ናይዚ መቐፀልታ ድማ ካብ ዞባን ወረዳታትን ዝተውፃእፀኡ መድረግቲ ኣካላት ብሓባር ብምዃን መድረኽ ምኽክር ይካየድ ኣሎ ከም ሓበሬታን ርክብን ከተማ ማይ ጨው፡፡
05 መስከረም 2017 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons