ዓለምለኸ መዓልቲ ኢድ ምሕፃብ
ዓለምለኸ መዓልቲ ኢድ ምሕፃብ 5 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሰሜን ኣብ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ መሰረተ ብዕሊ ተበሲሩ።
ኣብቲ ምጅማር ዓለምለኸ መዓልቲ ኢድ ምሕፃብ፣ መምህራንን ተምሃሮን ቤት ትምህርቲ መሰረተ፣ ቤት ትምህርቲ ኤስኦኤስ፣ ተወከልቲን ሓለፍትን ቢሮ ጥዕና፣ ቤት ፅሕፈት ጥዕና ክፍለ ከተማ ሰሜንን ተወከልቲ ዝተፈላለዩ መድረግቲ ኣካላት ተረኺቦም።
ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ዘረባ ዘስምዑ ተወካሊ ኣይተ ሙሉጌታ ቸርነት ፣ መዓልቲ ምሕፃብ ኢድ ብብርኪ ዓለም ንመበል 27 ዓመት ብብርኪ ትግራይ ግን ምስ ዝነበረ ፀገም ንመበል 8ይ ግዘ ዝኽበር ዘሎ ኮይኑ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኣዕናዊ ኲናት ዝበረሳ ትካላት ሒዝና ንፈለማ እዋን ነኽብሮ ኣለና ይብሉ።
ብምዃኑ ፀገም ምሕፃብ ኢድ ወሳኒ ምዃኑ ተረዲእና ብሰንኪ ሕፅረት ፅሬት ካብ ዝስዕብ ሞትን ሕማምን ክንከላኸል ከምዝግበአና ብምኽንያት እዚ ዕለት ንፅውዕ ኢሎም።
ጠንቂ ሞት ሕብረተሰብና ጉድለት ፅሬት ዘንቀሎ እናኾነ ምርኣይ ኣዝዩ እዩ ዘሕምም ዝበላ ጋሻ እቲ ዕለት ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ጥዕና ክፍለ ከተማ ሰሜን ሲስተር ዘነቡ ሓለፎም፣ ሕብረተሰብ ነቲ ክንከላኸሎ እንኽእል ሕማም ብዘይምክልኻልና ኣደዳ ሕማምን ሞትን ክንከውን ኣይብልናን ኢለን።
ሕድሕድ ተምሃሪ ነዚ ኣብዚ ዕለት ዘሎ ኣስተምህሮ ተግባራዊ ብምግባር መርኣያ ክትኾኑ እፅውዕ ድማ ኢለን ሓላፊት።
ተምሃሮን መምህራንን ተግባራዊ ስራሕ ሰሪሖም ኣብነታዊ ንምዃን ቃል ኣትዮም ክብል ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣብ ድረ ገፁ ኣፍሊጡ ።
ንሓፈሻዊ ሓበሬታን ግልጋሎትን ቢሮ ጥዕና ትግራይ ንምርካብ ብ6244 ነፃ መስመር ስልኪ ይደዉሉ፤ ብኢመይል ኣድራሻ (Email: info@trhb.gov.et) ይልኣኹ ክብል ኣዘኻኺሩ።
05 መስከረም 2017 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons