ንተወ ዓብይ ዓለም ለኸ ቴሌቶን ትግራይ ይሳለጥ ኣብ ዘሎ ዝተረኸቡ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ “ፀገም ህዝቢ ትግራይ ትሕቲ ዓቕምና እምበር ልዕሊ ዓቕምና ኣይኮነን” ኢሎም።
ንተወ ዓብይ ቴሌቶን ትግራይ ዘለናሉ ኩነታት ዘርኢ ከምዝኾነ ዝገለፁ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ዘጋጠሙና ፀገማት ካብ ዓቕሚ ህዝቢ ትግራይ ንላዕሊ ክኸውን ኣይግባእን ነይሩ ፤ትግራይ ብዙሕ ሃፍቲ ኣለዋ፤ ምሕደራና ፖለቲካዊ ጥዕናና ሓሊና ብዘይምስራሕና ግና ሕልኽላኻት ትግራይ ክጋደዱ ገይርና ኣለና ይብሉ።
ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ፀገም ክፈትሕ ዝኽእሉ ደገፋት ብወገን ፌደራል መንግስቲ እወን ክገብር ይግባእ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ፣ኣብ ውሽጥና ዘለዉ ፀገማት ፈቲሕና ግዜ ኣባኺንና ዝብል ቅቡል ብምግባር ቀልጢፍና ናብ ተግባራዊ ምንቅስቓ ክንኣትው ኣለና ክብሉ ኣረዲኦም።
ኮሚሽን ኮሚሽነር ሓደጋን ስጋኣትን ድልውነትን ትግራይ ዶ/ር ገ/ሂወት ገ/እግዚኣብሄር ብግደኦም ፣ቅድም ክብል ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ 400 ሚልዮን ኣኪቡ ናብ ዝተፀገመ ወገናት ከምዝሓገዘ ብምዝኽኻር፣ ኣብ ምጥንኻር ሓድነት ደቂ ትግራይ ድማ ዓርሱ ዝኸኣለ ኣበርክቶ ከምዝነበሮ ኣገንዚቦም።
ኮሚሽን ኮሚሽነር ሓደጋ ስግኣትን ፌደራል ዶ/ር ሽፈራው ተኽለማርያም ድማ ብወገን መንግስቲ ፌደራል ዝግበሩ ሓገዛት ከም ዝቕፅሉ ኣብቲ መድረኽ እቶት መተኣኻኻቢ ሓቢሮም።
ኣብ መወዳእታ ኣብቶም ዕላዊ ኮይኖም ዘለዉ ቁፅሪ ሒሳብ ባንክታትን ስልክታትን ዓብይ ቴሌቶን ትግራይ ( ንተወ)፣ ኩሉ ዝከኣሎ ብምብርካት ወገናቱ ኣብ ምሕጋዝ ዕቱብ ርብርብ ክገብር ይግባእ ዝብል መልእኽቲ ተመሓላሊፉ ኣሎ።
 
10 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons