ሓሳብ ኣለኒ ንዝብል ትግራዋይ ምስማዕ ግቡእን ጥቕሙ ዝዓዘዘ እዩ_ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ
 
ፕረዝደንት ጌታቸው ነዚ ዝገለፁ ብርክት ዝበሉ ማሕበራትን ውዳበታትን ድያስፖራ ትግራይ ኣብ ዘዳለዉዎ ” ኣብ ጉዳይ ትግራይ ስቕ ኣይብልን ” ብዝብል ኣብ ዝተሰናድኣ ዓብይ ዓለምለኸ መድረኽ ዘተ “ዙም” እዩ ።
 
ጉዳይ ትግራይ ውራይ ኩላትና ኣብ ጉዳይ ትግራይ ድማ ስቕ ኣይንብልን ዝበሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ማሕበራትን ውዳበታትን ግዱሳት ኣባላት ዲያስፖራ ትግራይ ሕዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ህልዊ ፖለቲካዊ ማሕበራዊ ፀጥታዊን ጉዳይ ሉኣልውነት ኣፈፃማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝብሉን ትግራይ ኣትያቶ ካብ ዘላ ሽግራት ክህሉ ዝኽል ናይ መውፅኢ ኣንፈታት ጠሚቶም ሰፋሕቲ ህዝባዊ ሓሳባት ዝተልዓለሉ መድረኽ እዩ ።
ዓቕሚ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓድነቱ እዩ ዝበሉ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ፣ ድሕሪ እቲ ፅንተታዊ ኩናት ንኩሉ ዘሳትፍ ኩሎም ሓሳባት ተታኣናግድ ትግራይ ምፍጣር ግድን ዝኾነሉ ግዘ ኢና ዘለና። ነዚ ዘኽእል ስራሕቲ ምስራሕ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ ኢሎም ።
ትግራይ ኩሎም ዓቕምታት ዝሓቖፈን ተሳትፎ ኩሉ ዘተኣናግድ ፖለቲካዊ ምሕደራ እምበር፣ ሓደ ውድብ ወይ ከዓ ውሱናት መራሕቲ ብዝደለይዎ ክገንሕዎ ኣብ ዘይከኣለሉ ሃዋህው ኢና ዘለና ዝበሉ እቶም ፕረዝደንት፣ ፈተና ፀላእና ድማ ንኩሉ ዘተኣናግድ ለውጢ ምርግጋፅ ኣብ ዘይኽበሰሉ ብርኪ ኢና ዘለና ኢሎም ።
ትግራይ ሕዚ ኣብ ዓብይ ፈታኒ እዋን ኣብ ዘለትሉ እዋን፣ ኩሎም ፀገማታ ብሓደ ውድብ ጥራሕ ዝፍታሕ ፀገም ከምዘየለ ኣሚንና ኩሎም ዓቕምታት ዘሳትፍን ሓድነትና ብምስጣም፣ ህዝብና ተስፋ ዝርእየሉ ኩነታት ምፍጣር ወሳኒ እዩ ኢሎም ።
ብሰንኪ ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ሕመቕና ውሽጣዊ ሓድነትና ኣጠናኺርና ኣብ ምምላስ ግዝኣትና ድኽመት ነይሩና እዩ ። ኣብ ካልኦት ዕማማት ግዚያዊ ምምሕዳር እውን ክስርሑ ዝግበኦም ስራሕቲ ብኣግባቡ ዘይምስራሕና ድኽመትና እዩ፤ ነዚ ዘከሓሕስ ስራሕ ከምዝሰላሰል ገሊፆም።
ኣብ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ተመዛበልቲ ምምላስን ግዝኣት ትግራይ ምርግጋፅ ጥራሕ ኣይኮነን በቲ ዝድለ ዘይከደ፣ ፖለቲካዊ ዘተ እውን ብዝግባእ ኣይኸደን ኢሎም።
ምዕራብ ትግራይ ብዝምልከት ክንጅምሮ እናተገበአና፣ ፖለቲካውን ስራሕቲ ፀጥታን ኣወዲድካ ኣብ ምኻድ ድኽመት ከምዘሎ ዝሓበሩ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፣ እዚ ኣሪምና ክንሰርሐሉ ይግባእ ኢሎም።
ፌደራል መንግስቲ ናይ ትግራይ ምድኻም እናርኣየ እግሩ ዝጎተሉ ኩነታት ኣሎ፣ ብወገን ትግራይ ድማ ዝተፈጠሩ ዕድላት ፀንቂቕና ዘይተጠቐምናሎም ኩነታት ከምዘሎ ገሊፆም።
ካብ ዕማማት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ማሕበራዊ ቁጠባዊ ግልጋሎት ምጅማር እንተኾን ኣብ ሕርሻ ፣ትምህርቲ፣ጥዕና ፅቡቕ ዝብሃል ጅማሮ ኣሎ፣ ይኹን እምበር ምስቲ ዝበፅሐ ዕንወት ሕዚ እወን ገና ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ብዝምልከት ዘይተጀመረ ስራሕ እዩ ምባል ይክኣል ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ ብስንኪ ሕመቕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ትግራይ ኣብ ናይ ትግራይ ኣጀንዳ ትኹረት ገይሩ ኣይሰርሐን ኢሎም።
ፍትሒ፣ፀጥታን ምሕደራን ብዝምልከት ድማ ዝነበሩ ትካላት ኮነ ተባሂሉ ክዓንዉ ስለዝተገበረ ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ምንጋስ፣ፀጥታን ምሕደራን ዝተሓላለኸን ገይርዎን ዘይተሰገሩ ፀገማት ከምዝኾኑን ገሊፆም።
ዲያስፖራ ትግራይ ሓድነቱ ኣፅኒዑ ኣብ መኸተ ዘርኣዮ ዘስደምም ህዝባዊ ቃልሲ ፡ ጉዳይ ትግራይ ክዕወት ዘኽኣለ ምንባሩ ዝገለፁ እቶም ተሳተፍቲ ዋዕላ ብግድኦም ሕዚ ድማ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ስቕ ኣይንብልን ህዝብና ኣትይዎ ካብ ዘሎ ከቢድ ሽግር ክወፅእን ዝተፈናቐለ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስን ሉኣላውነት ትግራይ ክረጋገፅ ድምፅና ክነስምዕን ብንቕሓት ክንቃልለስ ይግባእ ኢሎም ድወት ከም ዘዋደዶ ።
 
11 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons