ርክብ ህዝብታት ትግራይን ዓፋርን
ርክብ ህዝብታት ትግራይን ዓፋርን ንምብራኽ ኣበርቲዕኻ ምስራሕ ከምዘድሊ ተገሊፁ።
እዚ ዝተገለፀ ርክብ ክልቲኦም ህዝብታት ናብ ዝሓሸ ብራኸ ንምስግጋር ዓሊሙ ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ወከልቲ 8 ወረዳታት ዓፋር እናተሳለጠ ኣብ ዝርከብ ዋዕላ እዩ።
ኣብቲ መድረኽ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ሎሬት ምትኩ ሃይለ ከምዝሓበርዎ ምስ ህዝብታት ዓፋርን ትግራይን ዝግበር ዘሎ ልዝብ ንካልኦት ዘምህርን ረዚን ትርጉም ዘሕልፍን እዩ ኢሎም።
በብግዜኡ ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ዘተ ክልቲኦም ህዝብታት ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ክረጋገፅ እምነ ሰረት ዘንብር ከም ዝኾነ ገሊፆም።
ኣብ ልዝብን ዘተን መፍትሒ ሓሳባት ክርከቡ ከም ዝኽእሉ ዝገለፁ ሎሬት ምትኩ ሃይለ እቲ ርክብ ቀፃልነት ንኽህልዎ ይስራሕ ከም ዘሎ ኣገንዚቦም።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብዝሑነትን ርክብን ህዝብታትን ትግራይ ኣይተ ካልኣዩ ኣሰፋ ብወገኖም ፣ ታሪኻዊ ርክብ ህዝብታት ትግራይን ዓፋርን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ኣብ መዋሰንቲ ከባብታት ዝርከቡ ህዝብታት ርክቦም ክጠናኸር ምግባር ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።
ዝፀንሐ ርክብ፣ ታሪኻዊ ኣመፃፅኣን ክብርታት ክልቲኦም ህዝብታት ዝገልፅ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ብኣይተ ካልኣዩ ኣሰፋ ንተሳተፍቲ ይቐርብ ኣሎ።
ኣብቲ ዋዕላ ተወከልቲ 8 ወረዳታት ክልል ዓፋር፣ ምምሕዳር ዞባ ምብራቕ ትግራይ፣ምምሕዳር ዞባ ደቡብን ደቡብ ምብራቕን ትግራይን ካልኦትን ተሳተፍቲ ኮይኖም እዮም።
10 ሕዳር 2017 ዓ.ም
መቐለ

