ንዕደና ወርቂ ተባሂሉ መሬት ትግራይ ብሓደገኛ ኬሚካል ይባድም ከምዘሎ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ገሊጾም።
ንዕደና ወርቂ ተባሂሉ መሬት ትግራይ ብሓደገኛ ኬሚካል ይባድም ከምዘሎን ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ወርሒ ልዕሊ 28 ኩንታል ወርቂ ካብ ትግራይ ከም ዝወፀን ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና ዝኣተወ ገንዘብ ከምዘየለን ድማ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ገሊጾም።
እቶም ፕረዚደንት ምስ ፖሊስ፣ሓይሊ ፀጥታን ናይ ፍትሒ መሓውርን ብምዃን ኣብዚ ጉሕለት ኣብ ልዕሊ ዝተሳተፉ ተሓታትነት ከምዝረጋገጽ እውን ኣመላኺቶም።
ፖለቲካ ትግራይ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ይኸይድ ከምዘሎ ዝገለጹ እቶም ፕረዚደንት ፤ ህወሓት ንምድሓን ንምድርዳር ድልው ምዃኖም ኣመላኺቶም።
መንግስቲ ፌደራል ህወሓት ውሽጣዊ ጸገማቱ ፈቲሑ ክወፅእ እዩ ዝገልጽ ዘሎ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ፤ እንተዘይ ኾይኑ እቲ ስልጣን ብልፅግና ከምዝብሕቶ ግልጺ ከምዝገበረ እውን ሓቢሮም።
ኣርምታት እናፀዋዕኻ ስም ምጥፋእ ተሓታትነት ዘስዕብ ምዃኑ ዘመላኸቱ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ፤ኣብ ሓይሊ ፀጥታ ዝግበር ፀለመ ሓደገኛ ምዃኑ ኣገንዚቦም።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከይሰርሕ እናተሰረሐ ኣብ ዝመፀሉ ከይዲ ከም ምምሕዳር ክንሰርሕ ኣይከኣልናን ኢሎም።
ኣብ ቀረባ ኣብ ጉዳይ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ንዝካየድ መድረኽ” ኣነ እየ ዝሳተፍ ኣነባ ናብ ዝብል ተኣትዩ ኣሎ” ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፤ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝተማለአ ስራሕ ኣብ ምስራሕ ጉድለታት ከምዘሎው ገሊፆም።
ምስ ዲዲኣር ተታሒዙ ንዝቐረበሎም ሕቶ እንትምልሱ ድማ ፤ 75 ሽሕ ዝምለስ፣ዝፅንበርን ዝጣየሽን ሓይሊ እዩ ዘለና ብምባል ፣ዲዲኣር ብምፍጻም ዝፍጠር ስግኣት ከምዘየለ ኣረዲኦም።
ኣብ ዞባና ዓብይ ምዕባለ ይፍጠር ከምዘሎ ዝገለጹ ፕረዚደንት ጌታቸው ፣ኣብዚ ዞባ ትግራይ ዘለዎ ረብሓ ንምርግጋጽ ዝፍጠሩ ዘለው ፈተናታትን ዕድላትን ምትንታን ከምዘድሊ ኣመላኺቶም ከም ፀብፃብ ድወት።
15 ሕዳር 2017 ዓ.ም
መቐለ

