ስነ ስርዓት መዓልቲ ፃዕዳ ሪቫን ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብ ከተማ ሸረ እንዳስላሰ ፣” ድሕንነት ደቂ ኣንስትዮ ውሕስ ንምግባር ሓላፍነትና ንዋፃእ!” ብዝብል መራሒ ሓሳብ 16 ሕዳር 2017 ዓ/ም ስነ ስርዓት ቅነ ፃዕዳ ሪቫን ተጀሚሩ።
ሓበሬታን ርክብ ከተማ ሸረ እንዳስላሰ ንቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ከም ዝፀብፀቦ ኣብቲ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ፃዕዳ ሪቫን ተረኺቦም መግለፂ ዝሃቡ ምክትል ከንቲባ ከተማ ሸረ እንዳስላሰ ኣይተ ተፈሪ ሃይለመለኮት፣ ኣብዚ ሕዚ ኣብ ክልልናን ከባቢናን ኣብ ደቂ ኣንሰትዮ የሕዋትና መሰካሕኻሒ ጭካነ ብዝተመልኦ ፆታዊ ጥቕዓት ይበፅሕ ከም ዘሎ ይፍለጥ ድሕሪ ምባል ከም ከተማና እውን ነዚ ንምክልኻልን ንምቕናሰን እናሰራሕና ንርከብ፤ ንቐፃላይ ውን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኮይንና ብትኹረት ክንሰርሕ ኢና ዝበሉ ኣይተ ተፈሪ፣ ፆታዊ ጥቕዓት መሊኡ ንምዕጋትን ንምክልኻልን ኩሉ ሕብረተሰብ ክረባረብ በዚ ኣጋጣሚ እፅውዕ ኢሎም።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ቅነ ፃዕዳ ሪቫን ዝተረኸቡ ክፋል ሕብረተሰብ ብግዲኦም ፣ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሕ ዘሎ ፆታዊ ጥቕዓትን መቕቅተልትን ኩሉ ክኹንኖን ሓላፍነት ኩልና ስለ ዝኾነ ብሓባር ክንከላኸል ይግባእ ይብሉ።
እቲ ፕሮግራም ዓለም ለኸ ውድብ ስነ-ተዋልዶን
ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ክልል ትግራይን ምስ መድረግቲ ኣካላት ብሓባር ከም ዘዳለዉዎን ካብ 16 ሕዳር ጀሚሩ ንዝቕፅሉ ኣስታት 16 መዓልትታት ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ከም ዝዘልቕ ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ።
መዓልቲ ፃዕዳ ሪቫን ከም ክልል ንመበል 19 ግዜ ከም ዓለም ድማ ንመበል 30 ግዜ ይኽበር ከም ዘሎ ይፍለጥ ።
17 ሕዳር 2017 ዓ/ም
መቐለ

