ዝርገሐ ሕማም ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ በፂሑ ከም ዘሎ ተገሊፁ፡፡
ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ካብ ዞባታት ደቡብን ደቡብ ምብራቕን ዝተዉፃእፀኡ ክፋል ማሕበረሰብ ኣብ ከተማ ማይጨዉ ኣብ ዝሃቦ ስልጠና ዝርገሐ ሕማም ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ኣብ ክልልና ኣጋጢሙ ብዝነበረ ጆኖሳይዳዊ ኹናት ሰንኪ ኣብ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ብርኪ ከምዝበፅሐ ገሊፁ፡፡
ሓበሬታን ርክብን ከተማ ማይጨው ንቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ከም ዝፀብፀቦ፣ ኣብ ክልል ጥዕና ቢሮ በዓል ሞያ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ኤች.ኣይ.ቪ.ኤድስ ኣይተ ዝናቡ ንጉስ ድሕሪ ስምምዕ ዉዕሊ ፕሪቶሪያ ጠጠዉ ኢሉ ዝነበረ ግልጋሎት ብምጅማሩ ዛግዲ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከም ዘለዉን ገሊፆም።
ብምዃኑ ብዝተኻየደ መፅናዕቲ ኣብ ክልልና ብርክት ዝበለ ክፋል ሕብረተሰብ በቲ ሕማም ይልከፍ ከም ዘሎን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታዉ ሕዚ ዕለታዊ ምንቅስቓሶም ምስ ብርክት ዝበሉ ሕብረተሰብ ንዝራኸቡ ወገናት ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠና ብምሃብ ፣ ኣብ ባይታ ወሪዶም ንኻልኦት ከሰልጥኑ ከም ዝግበር ይሕብሩ።
ድሕሪ ስልጠና ተመርሚሮም ዓርሶም ዝፈልጥሉ ኹነታት ከም ዝመቻቾን ብምግላፅ ብሰንኪ ገጢሙና ዝነበረ ኩናት ዝርገሐ ኤች.ኣይ.ቪ.ኤድስ ኣዚዩ ሓደጋ ኾይኑ ከም ዘሎን ብፍላይ ኣብ ከተማታት መኾኒ፣ማይጨዉ፣ጨርጨር፣ኣላጀን ቦራን ሰፊሕ ምስፍሕፋሕ ይርአ ከም ዘሎን ኩሉ ህዝብና ነዚ ኣብ ግምት ብምእታዉ ቡእ ጥንቃቀቐ ክገብር ከም ዝግባእ ይሕብሩ።
ብፍላይ ድማ መናእሰይ እዚ ሕማም ዘርኢ፣ፆታ፣ዕድመን ሃይማኖትን ከይፈለየ ንኹሉ ዘጥቅዕ ምዃኑ ተገንዚቦም ኣብ ዝገብሩዎ ዕለታዊ ምንቅስቓሶም ሕማም ኤች.ኣይ.ቪ ከም ዘሎ ብውነ ብምርዳእ ክኸውን ከም ዝግባእ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡
መንእሰይ ሃፍታሙ ኪሮስ ነባራይ ከተማ መኾኒ ጣብያ ማርሳ እንትኾን እቲ ስልጠና እዋኑ ዝሓለወ ከም ዝኾነ ብፍላይ ኣብቲ ዝመፀሉ ከባቢ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ብምህላዉ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ንስራሕ ከም ዝመፁን ተረዲእና ልዑል ጥንቃቐ ከም ዘድልይን ብፍላይ መናእሰይ ተመርሚሮም ዓርሶም ፈሊጦም መከላኸሊ መንገዲታት ኤች ኣይቪ ኤድስ ከተግበሩ ይኢሉግባእ።
መንእሰይ ወርቁ በርሀ ካብ 20 ዓዲ ወጀራት ብግድኣ ፣እዚ ዝተወሃበ ስልጠና ቅድሚ ሐዚ ከምዘይትፈልጦምን ሕዚ ክትፈልጥ ከም ዝሓገዛን ዓርሳ ተመርሚራ ብምፍላጥ ንኻልኦት ዉን እቲ ዝሰልጠነቶ ከተሰልጥንን ካልኦት ወገናት ተመርሚሮም ዓርሶም ንክፈልጡን ኣድላይ ዘበለ ጥንቃቐ ንክገብሩን ከም እተምህር ገሊፃ ይብል እቲ ፀብፃብ።
16 ሕዳር 2017 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons