“ግደ መናእሰይ ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ዋዕላ ይሳለጥ ኣሎ።
ብካቢኔ ሰክሪተርያት ዘይምእኹል ምሕደራን ዲሞክራታይዘሽንን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተዳለወ ዋዕላ “ግደ መናእሰይ ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ኣብ ከተማ መቐለ እናተሳለጠ ይርከብ።
ኣብዚ ዋዕላ ካብ ዝተፈላለዪ ከባቢታት ዝተወከሉ መናእሰይን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን እናተሳተፋ እዮም።
ኣብዚ ዋዕላ ግደ መናእሰይ ትግራይ ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ዝብል መፅናዕታዊ ፅሑፍ ቀሪቡ እናተዘተየሉ እዩ።
29 ሕዳር 2017 ዓ.ም
መቐለ

