ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ዕድል ስራሕ ፈጠራን ትግራይ ፣ኣብ ዕድል ስራሕ ፈጠራ ዘተኮረ ዘተ ምስ መድረግቲ ኣካላት ኣብ ከተማ መቐለ ኣካይዱ።
ሓላፊ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትነ ስልጠናን ዕድል ስራሕ ፈጠራን ትግራይ ኣይተ ገብረ መድህን ሓጎስ ኣብቲ ዘተ ተረኺቦም ከም ዝበልዎ፣ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ምስቲ ቢሮ ብምትሕብባር ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ብምውጋን ኣብ ምሃብ ዓቕሚ መዕበዪ ስልጠና፣ ዕድል ፈጠራ ስራሕ፣ ኣብ ምሃብ መበገሲ መዋህለሊ ካፒታል፣ ካልኦትን ትኹረት ገይሮም ዝሰርሕሉ ኩነታት ዘሎ ኮይኑ እዚ ድማ ክጠናኸር ከም ዘለዎ ገሊፆም።
ከም ኣገላልፃ ኣይተ ገብረ መድህን፣ ኣብ ትግራይ ድሕሪ ዘጋጠመ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ብርክት ዝበሉ ወገናት ናብ ሕሱም ድኽነት ዝወረደሉ ኩነታት ኣሎ። ብመሰረት እዚ ኣብ ዕድል ስራሕ ፈጠራ ትኹረት ገይርኻ ብምስራሕ ካብ ድኽነት ዝወፅሉ ኩነታት ንምምችቻው ገበርቲ ሰናይ ትካላት ኣብ ዕድል ስራሕ ፈጠራ ትኹረት ገይሮም ክሰርሑ ፀዊዖም።
ብሓፈሻ እቶም ገበርቲ ሰናይ ትካላት ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ዕድል ስራሕ ፈጠራ ንምፍታሕ ብትኹረት ምስራሕ ከም ዘድሊ ብምእማን ኹሉ ኣብ ምሃብ ዓቕሚ መዕበዪ ስልጠና፣ ስራሕ ፈጠራን ምምላእ መበገሲ መዋህለሊ ካፒታልን ብትኹረት ምስራሕ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
06 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም
መቐለ

