ስልጠና ካይዘን ይካየድ ኣሎ።
ካይዘን ልህቐት ማእኸል ፌደራል ምስ ቢሮ ኢንዱስትሪ ትግራይ ብሓባር ብምዃን ካይዘን መሰረት ዝገበረ ቀዳማይ ዙር ዓቕሚ መዕበይ ስልጠና ከም ዝተጀመረ ሓቢሮም።
መሪሕ ፈፃሚ ስራሕ ልህቀት ማእከል ካይዘን ፌደራል ኣይተ ፈልሞን ተፈራ ከም ዝበሉዎ ፣እቲ ኣብ መፍረይቲ ትካላት ትግራይ ዘሎ ፅሬት መፍረይነትን ተወዳዳራይነትን ንምዕባይ ዝዓለመ ኣብ ዙርያ ኣመራርሓ፣ ፍልስፍና፣ ቴክኒክን መረዳእታታትን ካይዘን መሰረት ዝገበረ ስልጠና ከምዝኾነን ሓሓሙሽተ ትካላት ካብ ከተማ መቐለን ካብ መቐለ ወፃእን፣ ካብ ወረዳን ከተማታትን ካብ ዝርከቡ ክኢላታት ኢንዳስትሪያል ኤክስቴንሽንን ኢንዳስትሪ ሰላምን ዝተውፃእፅኡ ስልጠና ከምዝኾነን ሓቢሮም።
ቀንዲ ዕላማ እቲ ስልጠና ድማ ብኲናት ዝተጎድኡ ትካላት ናብ ዝነበርዎ ንምምላስ ኣብ ክኢላታት ዘሎ ዓቕሚ ብምዕባይ ንትካላት ሓገዝቲ ንክኾኑ ዝዓለመ ከምዝኾነን ትርጉሙ ድማ ናብ ዝሓሸ ለዉጢ ምምፃእ ከም ዝኾነን ይገልፁ።
ካይዘን ኣብ መፍረይቲ ትካላት ማኒፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ፣ ኣብ ግልጋሎት ወሃብቲ /ናይ ምርምር/ ትካላትን ኣብ ጥዕና ሴክተራትን ብኣግባቡ እንተተሰሪሑን እንተተኣታትዩን ዝሐሸ ለውጢ ከምዘምፅእ፤ ካብን ናብን ዝህሉ ፍሰት ሓበሬታ ፀገማት ብኣጋ ተፈልዮም ንምፍታሕ ከም ዝሕግዝን እውን ኣይተ ፈልሞን ወሲኾም ኣብሪሆም እዮም።
ሰልጠንቲ ኣብቲ መድረኽ ዝረኸቡዎ ዓቕሚ ኣብ ሕድሕድ ወረዳን ከተማን ዝርከቡ ብኲናትን ስዒቦም ዝመፁ ኩነታትን ዝተጎድኡ መፍረይቲ ትካላትና ናብ ዝሐሸ ብርኪ ለውጢ ንምምፃእ ግቡኦም ክዋፅኡ ትፅቢት ይግበር ከም ፀብፃብ ኮሙዩኒኬተር ቢሮ ኢንዱስትሪ ትግራይ።
08 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም
መቐለ

