“ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ንዘላቒ ልምዓትናን ሓድነትናን” ብዝብል ዋዕላ ኮምሽን ዕቀባ ሓመድን ማይን ክልል ሎሚ 14 ጥሪ 2017 ዓ.ም ከምዝተሳለጠ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ገሊፁ።
ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ዶ/ር እያሱ ኣብርሃ ከምዝገለፅዎ መፍረይነት ሕርሻ ብዓይነት ብመጠንን ብፅሬትን ንምዕባይ ተሊምና እንዳሰራሕና ንርከብ:: እዚ ንምፍፃም ድማ ከባቢ ኣብ ምሕዋይ ብዕቱብ ክስራሕ ከምዝግባእ ሓቢሮም።
ህዝቢ ብዝግባእ ንምምራሕ ኣብ ኮምሽን ዕቀባ ሓመድን ማይን ክልል ዘለና ሴክተር ሓለፍቲ ተዋዲድና ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም::
ኣብ ክልል ትግራይ 62 ሸሕ ሄክታር መሬት ዕቀባ ሓመድን ማይን ዝውገነሉ እንትኸውን ካብዚ እቲ 30 ሸሕ ሄክታር ብናፃ ወፍሪ እቲ ዝተረፈ ድማ ብፕሮጀክትታትን ፕሮገራማትን ከምዝስራሕ ምክትል ቢሮ ሓላፊ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ኣይተ ኣለምብርሃን ሃሪፈዮ ገሊፆም።
ኣብዚ ወፍሪ 890 ሸሕ ህዝቢ ክኸትት ትፅቢት ዝበሉ እቶም ምክትል ቢሮ ሓላፊ ወፍሪ ሰማእታት ካብ 25ክሳብ 30 ጥሪ 2017 ዓ/ም ዝውገን እንትኸውን እዚ ብሓባር ምስተገምገመ ሰሩዕ ናፃ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን 20 መዓልቲ 03 ለካቲት 2017 ዓ.ም ከምዝጅመር ሓቢሮም።
ኮምሽን ዕቀባ ሓመድን ማይን ክልል ልዕሊ 25 ሓለፍቲ ዝተፈላለያ ኣብያተ ዕዮ ክልል ዝሓቖፈ እንትኸውን ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ብዝተተለመሉ ኣገባብ ክፍፀም ካብ ምድላው ብርኪ ጀሚሩ ክሳብ ተግባራዊ ስራሕ ዝከታተልን ምስናይባዕሉ መሓውር እንዳተናበበ ህዝቢ ኣብቲ ወፍሪ ክዓስል ኣብ ምግባር ዝዋሳእ ምዃኑ ተሓቢሩ።
14 ጥሪ 2017 ዓ/ም
መቐለ

