ዝተፈጠረ ፀገም ብሰላማውን ብዝተወደበ መንገዲን ተቓሊስና ክንፈትሖ ኢና ክብሉ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ሓቢሮም።

ነዙይ ዝሓበሩ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ዝሓለፈ 15 ጥሪ 2017 ዓ.ም ብሽም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ዕላዊ ንዝኾነ መግለፂ ንምቁዋም ዝዓለመ ሎሚ 19 ጥሪ 2017 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ብነበርቲ ከተማ መቐለን ተወከልቲ ወረዳታት ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ዝሳለጥ ዘሎ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ኾይኑ ነዚ መሰረት ብምግባር ምላሽ ዝሃቡ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ከምዝበልዎ ድማ ዝተፈጠረ ፀገም ብሰላማውን ብዝተወደበ መንገዲን ተቓሊስና ክንፈትሖ ኢና ።

“ወርሒ ይውሰድ ክልተ ወርሒ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ናይ ተመዛበልቲ ምምላስ ወፃኢ ካሊእ ኣጀንዳ ክህልዎ ኣይኽእልን ዝበሉ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ፣ዝተፈጠረ ፀገም ድማ ብሰላማውን ብዝተወደበ መንገዲን ተቓሊስና ክንፈትሖ ክብሉ ገሊፆም ።

ከንቲባ ከተማ መቐለ ጥራሕ ዘይኮነስ ውሳነታት ግዝያዊ ምምሕዳር እውን ተግባራዊ ኣይኾኑን ዝበሉ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ፣ ግድን ኩሎም ናይ ግዝያዊ ምምሕዳር ሓለፍቲ ስራሕ ድማ ስሩዕ ስረሖም ክጅምሩ እዮም ኢሎም።

ጉዳይ ምምላስ ተመዛበልቲ ንምፍታሕ ድማ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምርድዳእ ብመሰረት ብውዕሊ ፕሪቶሪያ ከምዝፍታሕ፣ ነዙይ ተግባራዊ ኣብ ዝግበሩ ኩለ መዳይ ስራሕቲ ድማ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ሓጋዛይ ክኸውን ፀዊዖም።

ኣብቲ ተቃውሞ ሰልፊ ብሽም ጀግና ህዝባዊ ሰራዊት ምሽቃጥ የብቅዕ፣ እምቢ ንኲናት፣ ሰራዊት ትግራይ ልኡኽ ህዝቢ እምበር ልኡኽ ነገዶ ኲናት ኣይኮነን፣ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ይከበር፣ ወዲ ሰመንያ ዓመት ክነበር ወዲ ዒስራ ዓመት ኣይመውትን፣እምቢ ንድሕረት፣ወዲ ዒስራ ዓመት ናብ ትምህርቲ እምበር ናብ ኲናት ይኣክል፣ኲናት ዝኣወጁ መራሕቲ ኮር ንቃወም፣ ናይ መከተ ሰራዊትና ካብ ፖለቲካ ኢዱ የልዕል፣ ሕጋዊ ከንቲባ ከተማ መቐለ ብርሃነ ገብረየሱስ ብህፁፅ ስርሑ ይጀምር ዝብሉን ኻልኦት ጭርሖታት ብምሓዝ ኣብ ከተማ መቐለ ተቃውምኦም እናስምዑ ይርከቡ።

19 ጥሪ 2017 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons