መግለፂ 11 ለካቲት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ንዘሎ መላእ ህዝብና እንኳዕ ንመበል 50 ዓመት ብሄራዊ በዓል 11 ለካቲት ኣብፅሓኩም ኣብፅሓና እንትብል ኣብቶም 17 ዓመታት ዝተኻየደ መሪር ቃልስን ዝተኸፍለ ክቡር መስዋእትን ብምዝካርን ብምዕቃብን ክሳዕ ሕዚ ዘይተፈፀሙ ዕላማታት ለካቲት ንምምላእ ቃልና ከም እነሐድስ ብምትእምማን እዩ።

እዚ በዓል “ዝኽሪ 11 ለካቲት ንሓድነትን ሰላምን ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝዘከር ኮይኑ ክሳዕ ሕዚ ዘይተመለሱ ዋኒናት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝሓሸ ብርኩ ዕልባት ንክረኽቡ ሓድነትና ኣስጢምና ከም ህዝቢ ብሓደ ክንዓምም ይግባእ። ኣብዚ መዳይ ናይ ፖለቲካ፣ ናይ ሃይማኖት፣ ናይ ሞያ ወይ ናይ ካልእ ዓይነት ኣፈላላያት ንጎኒ ገዲፍና ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኮይኑ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ሓራ ንክወፅእ፣ ተመዛበልቲ ወገናትና ንምምላስን እግሪ ክተኽሉ ንምግባርን፣ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ቅድመ ኩናት ናብ ዝነበሮ ንምምላስ፣ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ብዘተኣማምን ብርኪ ውሑስ ንምግባር ሓበራዊ ዓቕምታትና ክነዕርፍ ይግባእ።

እዚ ብሄራዊ በዓል ብሓባር ንምብዓል ብመራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ግዱሳት ወገናትን ዝተጀመረ ፃዕሪ ብወገን ግዝያዊ ምምሕዳር ድሉውነትና ብምርግጋፅ ንተፈፃምነቱ እውን መደባትና ንምውዳድ ኩሉ ዓይነት ፃዕሪ ገይርና ነይርና ኢና። ይኹን እምበር እቲ ጉጅለ ቃልስን መስዋእትን ህዝቢ ትግራይ ንጎኒ ገዲፉ እቲ በዓል ከም ናይ ውልቅኡ ናይ ጉጅለ በዓል ወሲዱ ምስ መንግስቲ ብሓባር ከብዕል ከምዘይክእል ኣብ ልዕሊ ምርግጋፁ ኣብ ሕድሕድ ናይ መንግስቲ ንጥፈታትን እቲ ንጥፈት ዝካየደሎም ቦታታትን ኣብ ተመሳሳሊ ስዓትን ቦታን ካልእ ተደራቢ ንጥፈት ሕዙ ስለዝመፅአን እዚ ድማ ፅቡቕ ኩነታት ስለዘይፈጥርን ከም መንግስቲ ነቲ ኩነታት ብዕምቆት ርኢና ኣብ ከተማ መቐለ ዝነበሩና ንጥፈታት ንገሊኦም ክንስርዝ ተገዲድና ኢና። መንግስቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዘሳልጦም ናይ በዓል መደባት ንገሊኦም ዝሰረዞም ናይ ህዝብና ስግኣት ንምቕናስ ብምሕሳብ እዩ።

ድሕሪ 50 ዓመት ናብ ከምዚ ዝበለ ፋሉልነትን ስርዓት ኣልቦነትን ምእታው ዘይግባእ እኳ እንተነበረ እቲ ካብ ናይ ጉጅላዊ ናይ ስልጣን ህረፍን ስልጣንን ወፃኢ ረብሓ፣ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ዘይይእንታዩ ዝኾነ ጉጅለ ናብዚ ብርኪ ክንወርድ ገይሩና ኣሎ። ስለዝኾነ ዞባታት፣ ወረዳታትን ከተማታትን ኣቐዲምኩም ብዝሓዝኩሞ ፕሮግራም መሰረት ክትቕፅሉ፤ ህዝቢ ከተማ መቐለ ግን ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ገገዛኻ ኮይንኻ ነዚ ብሄራዊ በዓል ክትዝክሮ ከም መንግስቲ ብብርኪ ክልል ኣብ መቐለ ዝሓዝናዮም ዝተወሰኑ ኣገደስቲ ንጥፈታት ክንስርዝ ከምዝተደድና ክንሕብር ንፈቱ።

ህዝብና ብሓፈሻ መናእሰይ ትግራይ ድማ ብፍላይ ናይ ከባቢኹም ሰላምን ፀጥታን ንምሕላው ብዝተወደበ መንገዲ ንክትንቀሳቐሱን በቢከባቢኡ ዝኽበር በዓል 11 ለካቲት ፍፁም ሰላማዊ ኮይኑ ክሓልፍን ኩለመዳያዊ ምንቅስቓስ ንክትገብሩ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይፅውዕ።

በቢከባቢና በዓል 11 ለካቲት እንተነኽብር ዝተመዛበሉ ወገናትና፣ ኣካሎም ዝተጎድኡ ጀጋኑ ተጋደልትናን ስድራ ስውኣትናን ብምሕጋዝን ኣብ ጎኖም ብምዃንን ክኸውን ይግባእ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
11 ለካቲት 2017ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons